ጉንበት 31, 2008 ኣብ ኢንዲኣያና ፖሊስ

በል ሻሙናይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሕ. መ. ኣሜሪካ

 እቲ ኣብ ነፍሲወከፍ ክልተ ዓመት ዝጋባእ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ መበል ሻሙናይ ጉባኤ ሎሚውን ኣብ ኢ ንዲኣናፖሊስ ብዕ ለት 31 ጉንበት ከሰላስል ከምዝኾነ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ክነግስን ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክጥጥዕ ን ንዝቃለሱ ኤርትራውያንን ፈተውቱን ይሕብር።

ዓላማ ናይ ጉባኤ ነቲ ብመሰረት ሻዱሻይ ሃገራዊ ጉባኤኡ  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንውድቡ ኣፍሪሱ ምስ ተመሳሳሊ ርእይቶን ፕሮግራምን ዘልወን ውድባትን፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ዋላውን ውልቀሰባት ሓቢሩ ሰፊሕ ንኹሉ ኣካላት ህዝብና ዝሓቁፍ ፓርቲ ክምስረት ኣሎዎ ዝብል ዘሕለፎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምትርጓሙ እዩ። እዚ ጉባኤ ናይ ዝሓልፈ ውድባዊ ጉዕዙኡ  ዝመዝነሉን ዝዛዝመሉን ናይ መጻኢ  ፓርታዊ ዕ ማማቱ ዝትልመሉን ኮይኑ ውድባዊ ኣሰራርሓ ኣኸቲሙ ናይ ፓርታዊ ኣሰራርሓ ዝጅመረሉ ፍሉይ ግባኤ ዩ።

ኣበዘን ዝሓለፋ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ መሪሕነቱን ኣባላቱንዓይነታዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ከነረጋግጽ ቅድም ኣብ ነብስና ዓይነታዊ ለውጢ ነረጋግጽዝብል ኣምር ሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ቃልስታት ዝነበሩ፡ ዝተፈላለየ ኣታሓሳባን ተመክሮን ዘልዎም ኤርትራርውያን ጠርኒፉ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ኤርትራዊ ፓርቲ ከምዝዓስሉ ንብግባር ዘካይዶ መጠነ ሰፊሕ ጎሽጓሽ ዕ ዉት ኮይኑ ተረኺቡ። ካብዚ ነቒሉ ድማ ሰነ 1, 2008 ኣብ ከተማ ኢ ንዲኣናፖሊስ ሰፊሕ ናይ ፓርቲ ምስረታ ኮንፈረንሰ ከካይድ ምዃኑ ብደስታ ንኹሎም ፈተዉቱ ይሕብር። ኣብዚ ናይ ፓርቲ ኮንፍረንስ ኩሎም ኣባላት ውድብ ዝጸንሑን ምስቶም ምስ ሓቢሮም ሰፊሕ ፓርቲ ንምምስራት ክነጥፉ ዝጸንሑን ናይ ሓባር ኮንፈረንስ ክገብሩ ኢ ዮም።

ኮንፈረንስ ገለ ካብቶም ክማያየጠሎምን ናብቲ ናይ ፓርቲ ምስረታ ጉባኤ ለበዋታት ከመሓላልፈሎምን ተዳልዮም ዘለዉ ኣርእስትታት እዞም ዝስዕ ቡ ምዃኖም እታ ናይ ፓርቲ ኮሚሽን ናይ ኮንፈረንስ ኣሰናዳኢ ት ሽማግለ ገሊጻ፡  

1) ናይ ፓርቲ ስነ ሓሳብ (Party Ideology)  

2) ናይ ፓርቲ ቅርጻ Party (Structure)  

3) ናይ ፓርቲ ኣርማ  

4) ናይ ፓርቲ ስም  

5)  ወዘተ  

ናይ ፓርቲ ጉባኤ ኣብ ዝመጽእ  ሓምለ ክካየድ ምዃኑ መደብ ወጺኡ  ኣሎ። ናይ ፓርቲ ምስረታ ኮሚሽን ሕጂውን ደጊማ ኣብዚ ዝምስረት ዘሎ ፓርቲ ተሰሊፎም ኣብ ሃገርና ዘልኣለማዊ ለውጢ ንኽምዝገብ እጃሞም ከበርክቱ ንኹሎም ብሃገሮም ዝግደሱ ብፍላይ ድማ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ጸዋዒ ት ተቕርብ።

ኣብ ንሓርነት. ኮም ወብሳይት ከድኩም ናይ ፓርቲ ምዝገባ ቅጥዒ  ክትመልኡ  ብኽብሪ ንዕድም።  

በዚ ኣጋጣሚ ሓባራዊ ኮምሽን ምምስራት ፓርቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ወብሳይት ከምዘለዋ እናኣበሰርና ጉዕዞ ምምስራት ፓርቲና ክከታተል ንዝደሊ ግዱስ ዜጋ www.speedliberty.org ክውከስ ነተሓሳስብ።

 

ዝኽርን ክብሪን ንስዉኣትና!

ውድቀት! ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ

ፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

8 ዞባዊ ጉባኤ . . ኣሜሪካ

25 ጉንበት 2008

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08