|
|
|
|
ሕብረት ኣፍሪቃ ንመጥቃዕቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ኣውጊዙ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 01.07.2008 ኣብ ግብጺ ኣብ ከተማ ሻርማኤልክ ዝተኻየድ ናይ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ንዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣውጊዙ፤ ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ድማ ጸዊዑ። ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ብዝኸፈተቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ውግእ ከምዝተባርዐን ብሰንክ’ዚ ውግእ’ዚ ብዓሰርተታት ዝቝጸርዉ ወተሃደራታ ከምዝተቐትሉ ጅቡቲ ክትከስስ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኢዩ። ኤርትራ ግን፡ ነዚ ኣሉታ ኢያ ሂባትሉ። ናብ ክልቲአን ሃገራት ብምዛር ነቲ ኵነታት ከጽንዕ ወይ ከጻሪ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዚዙ ዝነበረ ኮሚቴ ናብ ጅቡቲ ክበጽሕ እንከሎ፤ ኤርትራ ግን ኣይተቐበለቶን። “ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕቡረት ኣፍሪቃ (PSC)፡ ነቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ኣትሪሩ ይኹንንን፤ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ’ቲ ወሪራቶ ዘላ መሬት ጅቡቲ ክስሕብን ይጽውዕ” ክብል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ንሮይተር እተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ልኡኽ ኤርትራ ኣብ’ቲ ናይ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይተሳተፈን ክብል ራምታነ ላማራ ዝተባህለ ኮሚሽነር ናይ ትካል ኣብሪሁ። ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዓረብ ሊግን ብዙሓት ካልኦት ሃገራትን ከምዝተወገዘ ዝፍለጥ ኢዩ።
|
|
[Party Membership Registration Form] Send mail to info@speedliberty.org with
questions or comments about this web site.
|