|
|
|
|
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ብሲንዝያ ጆንስተን 30 ሰነ 2008 ብዛዕባ ጃምላዊ ምብራር ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቝባ ካብ ግብጺ ብዝምልከት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ግሉጽ ዝርርብ ከምዘካየደት ሓላፊ’ቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ሓቢሩ። ሽሕ’ኳ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቶም ዝባረሩ ስደተኛታትን ንዓዛብ ክቃልዑ ኢዮም ዝብል ስግኣቱ ደጋጊሙ ይገልጽ እንተነበረ፡ ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ፈጺማቶ ዘይትፈልጥ 1000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣብ ሰነ 2008 ኣስገዲዳ ናብ ሃገሮም ኣባሪራቶም። ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) እንተዀነ ውን፡ ንድሕነቶም ስግኣት ከምዘለዎ ተቓውሞኡ እናስምዐ እንከሎ ኢዮም እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ናብ ሃገሮም ክባረሩ ዝተገብሩ። ጌና ውን በማእት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ንኽባረሩ ኣብ ኣብያተ-ማእስርቲ ግብጺ ተሓይሮም ከምዝርከቡ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓለቕቲ ማሕበራት ይሕብሩ። ኮሚሽነር ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ድሕሪ ምስታፉ ምስ ሮይተርስ እተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት “ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ምስ መንግስቲ ግብጺ ግሉጽን ሕውነታውን ምይይጥ ኣካይደ” ኢሉ። “ሃገራት ዶባተን ክሕልዋ መሰል ከምዘለወን ንርዳእ ኢና … እንተዀነ ግን፡ እዚ መሰል’ዚ ነቶም ዑቝባ ዘድልዮም ስደተኛታት ዑቝባ ንምሃብ ዝኽልክል ኣይኰነን” ኢሉ። ግብጺ፡ ንብዙሕ ዓመታት ኢያ በሽሓት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገራ ክትእንግድ ጸኒሓ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፡ ብሰሪ’ቲ እናዛየደ ዝመጸ ዋሕዚ ብዶባታ ዝሰግሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ እስራኤል ዝተገብረላ ተጽዕኖታት ኣብ ኣተሓሕዝኣ ንስደትኛታት ለውጥታት ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ኣይቮሪ ኮስትን ሱዳንን ዝመጹ 16 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ዶብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክሰግሩ እንከለው ዝተቐትሉ ኣለዉ። “ኣውያት ምዕራባውያን” ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ግብጺ፡ ነዚ ብዛዕባ ኤርትራውያን ዝተገብረ “ናይ ምዕራባውያን ኣውያት” ኢላ ዝገለጸቶ ስግኣት፡ ግብጺ ኣብ መንጐ ጸጥታኣን ኣብ መንጐ ኣህጕራዊ ግቡኣታን ሚዛን ክትሕሉ መሰላ ኢዩ ብምባል ኢያ ነቒፋቶ። ቅድም ክብል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝተባረሩ ዝፈልጦ የብለይን ዝብል መግለጺ ሂባ ምንባራ ዝዝከር ኢዩ። ጉተረስ ግን፡ ብዝሖም እኳ ኣይሓብር እምበር ናብ ሃገሮም ዝተባረሩ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ቀጺሉ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ግብጺ፡ ኣሕመድ ኣቡልቔጥ ክራኸብ ምዃኑ ውን ሓቢሩ። “ብእምነተይ ኣብ መጻኢ ገለ ስጕምትታት ንቕድሚት ክንስጕሚ ኢና” ብምባል እቲ ናይ ምብራር ተግባር ደው ክብል ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ። ኣስዒቡ፡ “እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ግን ኣሻቓሊ ኢዩ” ኢሉ። ናይ ግብጺ ተጣባቕቲ መሰል ወዲ ሰብ ዝዀና ማሕበራት ግን፡ እቲ ምብራር ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብውሳኔ ናይ ጸጥታዊ ትካላት ከምዝተፈጸመን፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ድማ ዝዀነ ይኹን ግደ ኣብ ምብራሮም ከምዘይተጻወተትን ከምዝኣምኑ ኢዮም ዝገልጹ። ግብጺ፡ ካብ ለካቲት ኣትሒዛ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነዞም ኤርትራውያን እሱራት ስደተኛታት ከይበጽሖም ክትክሎ ከምዝጸሐንት፤ እንተዀነ ግን፡ ድሕር’ቲ ብኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ዝተገብረ ተጽዕኖታት 140 ዝዀኑ ስደተኛታት ክርኢ ከምእተፈቕደሉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። ብዛዕባ ሃለዋት ናይ’ቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝርከቡ 1,400 ዝዀኑ ኤርትራውያን ከምዝሓተተ ድማ እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ብመሰረት እምነት ተጣበቕቲ ማሕበራት፡ ኤርትራውያን ብፍላይ ግዳይ ናይ’ዚ ስጕምቲ’ዚ ዝዀንሉ ምኽንያት ብብዝሒ ይውሕዙ ምህላዎምን፤ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብግብጺ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ብብዝሒ ብምስዳዶም ቀዳማይ ቦታ ሒዞም ዝነበሩ ሱዳናውያን ውን ስለዝሓለፍዎም ኢዮም ዝብል ኢዩ። እቶም ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ሃይማኖታዊ ምስጓግ ዘምለጡ ስዓብቲ ጰንጠቆስጠን፡ ካብ ኣሰጋዳድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘምለጡን ኤርትራውያን ኢዮም። ብዙሓት ካብኦም ብሰንኪ’ቲ ኣብ ግብጺ ዘጋጥሞም ዓሌታዊ ኣድልዎን ቍጠባዊ ጸገማትን ኣብኡ ክነብሩ ዘይመርጹ ምዃኖም እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
|
|
[Party Membership Registration Form] Send mail to info@speedliberty.org with
questions or comments about this web site.
|