ዜናዊ ጸብጻብ ቀዳማይ ሓባራዊ ሰሚናር

ኣባላት ሰ.ዲ.ኤ.ን ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶን ኣብ ጀርመን

ሰነ 09.2008

ኣብ መንጎ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ኣብ ዕለት 15-16 መጋቢት 2008 ኣብ ዘሎ ወግዓዊ ናይ ርኽክብ ግዜ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረትን፡ ናይ ስራሓት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ብዘውጽኤቶ ሓደ ካብ መደባትን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝርከብ መሰረታት ክልቲኡ ሸነኻት ብዕለት 07.06.2008 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ቀዳማይ ሰፊሕ ሓባራዊ ሰሚናር ኣካይዱ። እዚ ሰሚናርዚ መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 26.04.2008 ኣብ መንጎ ስርዒታውያን ሓለፍቲ ዝተኻየደ ሓባራዊ ርኽክብን ኣብኡ ዝተመደበ ዕማምን ኢዩ።

ሓባራዊ ሰሚናር፡ ብብጻይ ዓብደልዓዚዝ ሓሰን ኽያርን የማነ ዘምላይን ኣባላት ቦታዊት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ብክልቲኡ ቋንቋታት ብዘቕረብዎ ምስጋና ንኣባላት መሪሕነትን መላእ መሰረታት ክልቲኡ ሸነኻትን፡ ኣብቲ ሰሚናር ንዝተሳተፉ ግዱሳት ዜጋታትን ብፍላይ ድማ  ንኣዳለውቲ መደብን ጻዕርታቶምን ብምቕራብዩ ተኸፊቱ። ክልቲኦም ብጾት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝያዳ ክምዕብልን ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መኣዲ ክበጽሕ ተስፋታትም ድሕሪ ምግላጽ፡ መደባት ሰሚናር ብምልላይ መድረኽ ንኣማኒኤል ሓጐስን ንጉሰ ጸጋይ ክርከብ ኣመልኪቶም።

ተጋ. ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ላዕለዋይ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ፡ ብመጀመርታ ነዚ ሓባራዊ ሰሚናርዚ ኣብ ምዕዋት ንዝደኸሙ ኣባላት ሽማግለን መላእ ተሳተፍቲ ሰሚናርን ብስመይን ብስም ኣዋሃሃዲት ሽማግለን ልባዊ ምስጋናይ ከቕርብ ኣፍቅዱለይ ድሕሪ ምባል፡ ኣብቲ ብኣባላት ክልቲኡ ሸነኻት ዝጋባእ ዘሎ ኣፈናዊ ናይ ምልላይን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምውህሃድን ሰሚናርዚ ክሳተፍ ዕድል ብምርካቡ ዘለዎ ልዑል ታሕጓስ ኣቕሪቡ።

ሎሚ ጽባሕ ናይቲ ቅድሚ 17 ዓመት ልክዕ ኣብዚ እዋን እዚ ጽምብል ነጻነት ኤርትራን፡ ታሕጓስን ደባሊትን፡ ዕልልታን ትልሂትን ህዝብና ርሱን ኣብዝነበረሉን፡ ድሮ ዲክታቶርያዊ መራሒ ስርዓት ህግዲፍ ንመብጻዓታትን ሕልምን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ወግዓዊ ጥልመት ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን፡ እቶም ዝተፈላለየን ተመኩሮን ታሪኽን ዝጸናሓና ኤርትራውያን በዚ መልክዕዚ ክንራኸብን፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ዝተፈጸመ ኩሉ መዳያዊ ሽግራት መዚና፤ ብሓባር ክንጸምድ ምጅማርናን፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዓት ዝያዳ ኣገዳስን መሰጋገሪ ናብ ዝሓሸ ስጥመት ዘለዎ ኣሰራርሓ ንምብጻሕ ይገብሮ። ንልኡላውነት ሃገርና ዓቂብና ድማ ኢና፡ ነቲ ህግዲፍ ንህዝብና ናብ ክዝረበሉ ዘይኽእል ናይ ሕሰም ዓዘቕቲ ነቚትዎ ዘሎ ተግባራት ስዒርና፡ ዝተረግጸ ሕድሪ ስዉኣትናን ባህግታት ህዝብና ንምዕዋት ኣብ ነፍሲ-ወከፍና ዝያዳ ሓይልን ናይ ቃልሲ ንያትን ዝዘርእ ኢዩ፡ ዝተረከብናዮ ሕድሪ ስዉኣት ኤርትራውያንን ድልየታት ህዝብናን ዘንጊዕና እንተደኣ ዘይፈጺምና ግን፤ ንሕናውን ሓላፍነትና ረሲዕናን ጠሊምናን ኣለና ማለት ኢዩ በለ።  ኣስዒቡ፡ ሒዝናዮ ዘለና ሓባራዊ ስምምዕ ሓደ ኣገዳሲ ባእታ ኣብ መስርሕ ምውዳቕ ስርዓት ህግዲፍን ኰይኑ፡ ናይ መወዳእታ ኢዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ገና ናብቲ ክንበጽሖ ዘለና ሓደ ሓባራዊ መለለዪ ንምቋም ዝወስድ ዓብዩ ስጉምቲ ኢዩ። ክልተ ዝተፈላለየ ኣመጻጽኣ ዘለዎም ሓይልታት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝተዋሃሃደ ሓባራዊ ስራሕ ከትጸምዶምስ ይትረፍ፡ ሓደ ሰብ ምስ ዝነብረሉ ኲነታት ነብሱ ከታዓርቕን፡ ምስ መድረኽ ተዋሃሂዱ ክኸይድ ንኽኽእልውን ክወስዶ ዘለዎ ናይ ለውጢ ግዜ ከምዘለዎን ዝነውሒ ክኸውን ከምዝኽእልውን ሓቢሩ።

     ብመሰረቱ ስለምንታይ ኢዩ ስምምዕን ሓባራዊ ስራሕን ዝድለ ንዝብልውን፡ ሓድነት ናይ ደቂ ሰባት ዝላዓለ ሓይልን ዝበርትዐ መሳርያን ኣብ ምርግጋጽ ድልየታቶም ስለዝኾነ ኢዩ፡

ተታሓሒዝናዮ ዘለና ሓባራዊ ዕማም ኣብ ውሽጢ ክልተ ሸነኻት ጥራሕ ዝተሓጽረ ከምዘይኮነን፡ ካልኦት ኣካላት ዋላውን ካብቲ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ንታሕቲ ብዝኾነ ነጥብታት ተሰማሚዕና ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ምስ ዝብሉውን በተን ከራኽባና ዝኽእላ ነጥብታት ተማሓዚና ክንስርሕ ተቓውሞ ከምዘየለን ገና እንጽበዮ ድልየትን ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝብና ብዙሕ ስምምዓት ተፈጺሙ ኢዩ፡ ይኹንበር ከይወዓለ ከይሓደውን ይፈርስ ነይሩ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ናይ ምፍሻሉ፤ ኣብ ታሕተዎት ኣባላት ወሪዱ ንሓባዊ ስራሓት ዘጽመደ ብዘይምንባሩ ኢዩ ኰይኑ ዝስምዓና፡ ሕጂ ግን እቲ ዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዕን ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣረዳድኣን ኣብ ኢድኩም በጺሑ ስለዘሎ፡ ኣብ ምዕዋቱ ዝላዓለ ሓላፍነትን ተራን ክትጻወቱ ይግባእ ክብል ተሳተፍቲ ሰሚናር ክገብርዎ ዝግብኦም ጻዓታት ሓቢሩ።      

     እቲ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ስምምዕ፡ ኣብ ምሕያል ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንምሕያል ኤዲኪን ምጽባብ ብዝሐ ውድባት ኣብ ደምበ ተቓውሞን ምዃኑ ዝዘንግዑ ግቡእ ፖለቲካዊ ግንዛበ ዘይብሎም ገለ ኤርትራውያን፡ ከምኡውን ብፍላጥ ንምዕንቃፍን ዕብለላን ኤዲኪ ገይሮም ዝገልጽዎ እዃ እንተሃለዉ፡ መሰረታት ክልቲኡ ሸነኻት ግን፡ ዕላማናን መንቀሊናን ስለእነለሊ ዝተባህለ ይባሃል ከሰክፈና የብሉን፡ ብስራሕን ብተግባርን ድማ ነዚ ከምዚ ዝበለ ብሂላት ክንስዕሮ ይግባኣና ክብል ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምቅራብ፡ መሪሕነት ክልተ ሸነኻት ዝተሰማምዓሎም 13 ነጥብታት ጥቂሱ። ጉባኤ ኤዲኪ ብሓድነት ምውጽኡን፡ ዝሰፍሐ መንገዲ ዓወት ንኽኸውን ድማ ዝካኣለና ጻዕርታት ክንገብር፡ ካባና ዝጥለብ ዘበለ ግደ ከነበርክት ድሉዋት ምህላውና ከይሓበርኩ ክሓልፍ ኣይመርጽን ክብል መግለጺኡ ደምዲሙ።  

ኣስዒቡ ብጻይ ኣማኒኤል ሓጐስ ኣባል መሪሕነት ሰዲኤን ኣቦ-መንበር ናይ ጀርመን ሓባራዊት ሽማግለን፡ ብሸነኹ፡ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽሓባራዊ ስምምዕ፡ ዋላዃ ካብ 2004 ዝጀመረን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደውን  እንተመሰለን ምስ ውጻኢቱ ከነዛምዶ እንከለና፥ ክሕለፍ ዝነበሮ ግድነታዊ እዋን ኢዩ ወሲዱ።

ዝሓለፈ ዋላዃ ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ዝጀመረ እንተኾነ፤ ካብዝነበረና ድልየት ናይ ምስፍሑን ግዙፍ ምጥርናፍን ተበጊሱ፥ ጸኒሑስ ናይ ሰለስተ ናይ ኣርባዕተ ከምኡውን ናይ ሓሙሽተ ሸነኻት እንዳኾነ ኢዩ ክኸይድ ጸኒሑ። ኰይኑ ግን ከምቲ ዝተደልየ ክስጉም ኣይካኣለን። ይኹንበር ንዓና ነዞም ክልተ ኣካላት ጽቡቕ ናይ ምትእምማን ባይታ ፈጢሩልና ኢዩ።

እዚ ዝሓለፈ ናይ ክልተ ሸነኽ መሪሕነታት ተደጋጋሚ መስርሕ ልዝብን ርኽክብን እንተዘይፍጸም ድማ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ዕዉት ዝኾነ ዝምድናታት ክብጻሕ ኣይምስተኻኣለን ነይሩ። ዝሓለፈ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ጉዕዞ ልዝብና፡ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ናይ ምትእምማን መድረኽ  ክንበጽሕ ዝተጻወቶ ገደ ቀሊል ኣይኰነን። ዝተበጽሐ ስምምዕን ሒዝናዮ ዘለና ሓባራዊ ናይ ምውህሃድ ስራሕን ኣብ ጉዕዞና ዓብዪ ነጥበ መቐይሮ ናብቲ ክንበጽሖ ዘለና መድረኽ ኢዩ። እቲ ብመሪሕነት ደረጃ ክብጻሕ ዘለዎ ስምምዓት ካብተገብረ እቲ ብደረጃ ህዝብን መሰረታት ክልቲኡ ኣካላትን ክፍጸም ዘለዎ ዕማም ተግባራዊ ኰይኑ ንኽኸይድን ክምዕብልን ኣብ ኢድኩም ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ። መሰረታት ክልቲኣኡ ኣካላት ከሐይሎን ክድርዖ ክኽእል ድማ ኣለዎ። ንሕና እንተደኣ ዘይደሪዕናዮን ኣሐይልናዮን ግን ዝተበጽሐ ስምምዕ ባዕሉ ክዋሳእ ኣይኽእልን ኢዩ። ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዕ ኣብዚ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ ገና ምስ መድረኽ ናይ ስራሕ ተመኩሮታቱ እንዳገምገመ ናብ ዝላዓለ ደረጅኡ ክሰጋገር ክኽእል ዘለዎ ኢዩ። ክህልወና ዝኽእል ናእሽቱ ፍልልያት ምስ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ መስርሕ ክታዓረቕ ዘይኽእል እይኰነን ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ጀርመን ዝቖመት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ሒዛቶ ዘላ ናይ ስራሕ መደባትን ኣሰራርዓ ቦታዊ ውክልናታትን ኣብሪሁ፡ ጸብጻብ ስራሓት ኣብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜ ክበጽሕ ዘድሊ ምክትታልን ጻዕርታትን ክካየድ ከምዝግባእ ብምሕባር መግለጺኡ ደምደመ።

      ድሕሪ መግለጺ፡ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ክፉት ንሕቶታትን መብርህን ዝኸውን ነጻ መድረኽ ተኸሲቱ፡ ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብቲ ስምምዕ ዘይበርሀ ዝመስል ዝብልዎ ገለ ሕቶታት ድሕሪ ምቅራቦም፡ ብመራሕቲ ኣኼባ ኣገዳሲ መብርሂ ተዋሂብዎ። ይኹንበር ተሳተፍቲ ሰሚናር፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ንዝተበጽሐ ስምምዕ ብምምጓስ ዝያዳ ኽሕይል ዘኽእሎ ሓሳባትን ለበዋታትን ብምቕራብዩ ናይ ሓድነት ድልየታቱን ስምዒታቱን ዝገልጽ ዝነበረ። ብጻይ ብርሃነ ገብረዝግኣብሄር ብሸነኹ ኣብ መንጎ ፖሊሲታት ሰዲኤን ዝተበጽሐ ስምምዓትን ዘሎ ዝምድናታትን ኣታሓሕዛ ሰዲኤ  ኣብዝተላዕሉ ጉዳያትን ብዝርዝር ኣብ ምብርሆም ኣገዳሲ መብርሂ ኣቕሪቡ።

      ገለ ብጾት ነቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ደገፎም ክገልጹ እንከለዉ፡ ንሕና ከምቲ ዝባሃል ዝነበረ ሓሳብና ብመግለጺ ከነታሓላልፎ ስለዘይንኽእል፡ ብግጥሚ መልክዕ ከነቕርቦ ይፈቐደልና ስለዝበሉውን፡ ብጻይ መሓሪ ተኸስተን ኣፈወርቂ ኣባይን ሰፊሕን መሳጥን ግጥምታት ንተሳተፍቲ ሰሚናር ድሕሪ ምቅራብ ቀዳማይ ክፋል ካብ መደባት ሰሚናር “ብሓባራዊ/ሓድነታዊ ቃልስና፡ ክዕወትዩ ሓርነት ህዝብና” ዝብል ጭርሖን ብዝኽሪ ስዉኣትን ተደምዲሙ።     

 

ካብዚ ቀጺሉ፡ ኣባላት ክልቲኡ ኣካላት ናይቲ ስምምዕ፤ መርኣያ ሰናይ ድልየቶምን ሓጐሶምን ንምግላጽ ዘዳለዉዎ ካልኣይ መደብ ናይቲ ሰሚናር፥ ባህላዊ ሙዚቓን ዝተፈላለዩ ማሃርትን መዘናግዒ ዝኾኑ ዋዛ ምስ ቁምነገራትን ተዳልዮም ብምንባሮም፡ ኣብ ሰሚናር ዝዋዓሉን፡ ካብኡ ወጻኢ እቲ ምድላው ዘተባብዖምን ደስ ዘበሎምን ፖለቲካዊ ርእይትኦም ብዘየገድስ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ካብ 22፡00 ጀሚሩ ክሳብ ንጽባሒቱ ንግሆ ብወናማት ሙዚቐኛታት ተሰንዩ ምሕዳሩን፡ ዝተመደበ ቀዳማይ ሓባራዊ ሰሚናር ብግቡእ ምድምዳሙን ተሓቢሩ።

 

 

 

 

 

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08