ዕዉት ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ

መበል 23 ሰፊሕ በዓል/ፈስቲቫል/ ኤርትራ ተሰላሲሉ፡

መበል 23 ሰፊሕ በዓል /ፈስቲቫል/ ኤርትራ ካብ ዕለት 08-10 ነሓሰ 2008 ኣብ ትሕቲ “ንሕና ንለውጢ ኢና”! ዝብል ጭርሖ፡ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ፍራንክፎርት፡ ቦከንሃይመር ቫርተ BOCKENHEIMER WARTE ዝርከብ ዩንቨርስቲ ፍራንክፎርት UNIVERSITÄT FRANKFURT ክካየድ ኢዩ። ፈስቲቫል 2008 ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር EDA e.V ወግዓዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ዝዳሎ ኰይኑ፡ ዓመት መጸት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመጽእ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ከኤንግድ ዝጸንሐ ኢዩ።

ንመበል 23 ፈስቲቫል ኤርትራ ብዓወት ንምስልሳል ኣብ ምስንዳኡ እትርከብ ዘላ፥ 

ናይዚ ዓመትዚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ዕለት 21 ሰነ 2008 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኣኼባ ከምዘካየደት ተፈሊጡ ኣሎ። ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ንዝሓለፈ ተመኩሮ ፈስቲቫላት እንዳገምገመ፡ ንእወንታዊ ሸነኻቱ ብምዕቃብ፥ ንዝነበረ ሕጽረታት ብዝኣረመ ኣገባብ፡ መጻኢ ፈስቲቫል 2008 ብዝማዕረገ ኣገባብ ንኽሰላሰል ሰፊሕ ናይ ስራሕ መደባት ሓንጺጹ።

 

ብዘይካዚ፡ ኣብ ከተካይዶ ዝጸንሐት ናይ ምስንዳእ መደባት፡ ዝርዝር ሓበሬታታት ዘሰነየ ምርድዳኣት ድሕሪ ምክያድ፡ ነቲ ገና ኣብ መስርሕ ዝርከብ ክፍጸም ዘለዎ ዕማማት ንምምላእ፥ ኣብ መንጎኣ ናይ ስራሕ ምክፍፋል መደባት ገይራ፤ ንዝመጽእ ናይ ኣኼባ ግዜ ብምውሳን ኣኼብኣ ከምዘሰላሰለት ተሓቢቱ።

 

ፍራንክፎርት 21.06.2008

 

 

 

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08