ዕለት፡- 16 ሰነ 2008

ኣርእስቲ፡- ተቓውሞ ኣንጻር ኣስገዳድ ምብራር ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ግብጺ 

ክቡር ኣምባሳደርን ወኪል ግብጺ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኤኮኖምያዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን

ስድስት ኪሎ፡ ኣዲስ ኣበባ 

ቍጽሪ ፋክስ +25111552722 

ክቡር ኣምባሳደር 

እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ዝጸሓፈሉ ዘሎ ወቕቲ፡ መንግስቲ ግብጺ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ’ታ ጠንጢኖምዋ ዝመጹ ንህይወቶም ሓደጋ ዝዀነት ኤርትራ የባርሮም ኣሎ። ካብ’ቶም ክሳብ 10 ሰነ 2008 ኣብ ኢድ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ምህላዎም ዝፍለጡ 1,600 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ድሮ 800 ዝዀኑ ናብ ኤርትራ ከምዝተባረሩን፤ ነቶም ዝተረፉ ድማ፡ ኣብ’ዘን ቀረባ መዓልታት ናብ ኣስመራ ንምብራሮም ምስንድኣት ይግበር ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። 

ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ህዩማን ራይትስ ዎችን ካልኦት ኣህጕራዊ ውድባትን እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ናብ ሃገሮም እንተደኣ ተመሊሶም ልክዕ ከም’ቶም ብ2002 ከምኡ ውን ብ2004 ካብ ማልታን ሊብያን ዝተባረሩ 342 ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዘጋጠሞም ሓደጋታት ከጋጥሞም ኢዩ ዝብል ጥርዓነን እናስምዓን፤ ነቲ ምብራር ደው ክብል እናጸውዓን እንከለዋ ኢዩ እዚ ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ዝፍጸም ዘሎ። 

ክቡር ኣምባሳደር 

እዚ ጥርዓን’ዚ፡ ብኣኹም ኣቢሉ ናብ ኵሎም እዚ ጕዳይ’ዚ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ዓረባዊት ሪፑብሊክ ግብጺ ከብጽሕ እሞ፡ ነዞም ጌና ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝርከቡ 800 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናይ ምስጓግ ውሳኔ ብህጹጽ ደው ከብልዎ ዝጽውዕ ኢዩ። ቅዳሕ ናይ’ዚ መልእኽቲ’ዚ፡ ናብ ሕብረት ኣፍርቃ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣብ’ዚ ህጹጽ ጕዳይ’ዚ ክሕግዙ ትጽቢት ዝግበረሎም ናይ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራትን ተላኢኹ ኣሎ። 

እዚ ብተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ዝቐርበልኩም ዘሎ ጥርዓን፡ ንመብዛሕትኦም ሰበ-ስልጣን ግብጺ ብዛዕባ’ዚ ኣሕዛኒ ጕዳይ ህጹጽ ቆላሕታ ክገብሩን፤ እዞም ካብ ግፍዕታት ናይ’ዚ ጨካን ብናይ ሓደ ሰብ ዝምራሕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝሃድሙ ዘለዉ ዜጋታታ ብሰላም ክነብሩ ዝኽእሉላ ሃገረ ኢርትራ ክሳብ እትኸውንን፡ ዝዀነ ይኹን ናይ ምብራር ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ደው ከተብሉን ዝጽውዕ ኢዩ። 

WASignature

ወልደሱስ ዓማር

ኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይትፕ

16.06.2008

ቅዳሕ ናብ፡-

1.     ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት:- c/o ውሃቢ ቃል ሚሸለ ሞንታስ Montas@un.org

2.    2.   ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡- GUTERRES@unhcr.org

3.    3.   ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ክፍሊ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡-        Osmanmanar@yahoo.com

4.     4.    ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት (UNHCR):- Larbour@unhcr.org

5.     5.  ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል:- c/o Dr. Martin Hill mhill@amnesty.org

6.     6.  ናብ ኤርትራውያን ናይ ሰብኣዊ መሰል ማሕበራትን መርበብ ሓበሬታታትን

 

 

 

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08