|
|
|
|
ደምዳሚ ኣዋጅ 8ይ ዞባዊ ጉባኤ ጨናፍር ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሕ.መ.ኣመሪካን ኮንፈረንስ ምስረታ ሰፊሕ ሰልፍን፡ 8ይ ዞባዊ ጉባኤ ጨናፍር ተ.ሓ.ኤ.ሰ-ባይቶ ኣብ ሕ.መ.ኣመሪካን ቀዳማይ ኮንፈረንስ ምምስራት ኩሉ ሓቈፍ ፖሊቲካዊ ሰልፍን፤ ካብ ዕለት ግንቦት 31 ክሳብ ሰነ 1 ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ- ኢንድያና ብዓወት ተሰላሲሉ። ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓርነትን ንምርግጋጽ ዘይሕለል ቃልሲ ብምክያድን ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋልን ብዓወት ናጽነት ተበሲሩ’ዩ። እቲ ካልኣይ ገጽ ናይ ቃልሲ ማለት ንህዝባዊ ሓርነታቱ ዝምልከት ግን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተጠልመ ድሙቕ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ። ተ.ሓ.ኤ. ሰ-ባይቶ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ሃገራዊ ናጽነት ከረጋግጽ ዝበቕዐ፤ ህዝባዊ ሓርነታቱ’ውን ብኡ መጠን ግሁድ ክገብር ብቕዓት ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣንቢሩ ክቃለስ ይርከብ። መሰረታት ተ.ሓ.ኤ.ሰ-ባይቶ ኣብ ሕ.መ.ኣመሪካ ከኣ ኣብ’ዚ ናይ ቃልሲ ጽንዓት ረጊጾም ቃልስታቶም ኣብ ምክያድ ይርከቡ፡ ስለዝኾነ ከኣ ሎሚ 8ይ ዞባዊ ጉባኤ ጨናፍር ተሓ.ኤ. ሰ-ባይቶ ኣብ ሕ.መ.ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ፡ “ቀንዲ ዋኒንና፣ ህዝብና ምግልጋል’ዩ” ከምኡ’ውን “ፖልቲካ ጀብሃን ሻዕብያን ኣብቂዑ ሓባራዊ ሃገራዊ ህንጻ ምክያድ” ዝብሉ ጭርሖታት ተኻይዱ። እዚ ጉባኤ’ዚ ነቲ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ሰ-ባይቶ ብመጽናዕትን ብሓላፍነትን ተበጊሱ ንምዕዋት ዝቃለሰሉ ዘሎ ምስረታ ሰፊሕ ሰልፊ ዘጠቓለለ ኮንፈረንስ ዝርከቦ ማንታ መደባት እዩ ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ቀዳማይ መደብ ጉባኤኛ ንብመሪሕነታት ዞባታት ዝቐረበሉ ኩሉ ሸነኻዊ ናይ ክልተ ዓመታት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ተኻቲዑ ኣጽዲቑ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ መጻኢ ናይ ስራሕ መደባት ብምሕንጻጽ፣ ካብ ናይ ሰፊሕ ሰልፊ ምስረታ ዝውዳእ ንኽልቲኡ ዞባታት ዝመርሓ ክልተ ናይ ዞባ መሪሕነታት መዚዙ ጉባኤ ደምዲሙ። ጉባኤና ነቲ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰ-ባይቶ ዝተበገሰሉን ንምትግባሩ ጸሚዱ ዝንቀሳቐሰሉን ዘሎ ናይ ሰፊሕ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ምስረታ መደባት ሙሉእ ደገፉ ኣረጋጊጹ። ተ.ሓ.ኤ. ሰ-ባይቶን መሪሕነቱን ኣብ ኤርትራ ንምልኪ ስዒርካ ሰላምን ደሞክራሲን ንምንጋስን ደንበ ተቓውሞ ንምሕያልን ዝኽተሎ ዘሎ ጽኑዕ ቃልሲ ብምድጋፍ፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን (ኤ.ደ.ኪ.) ኣብ ምሕያል ብኹሉ ዓቕምታቱ ክቃለስ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ጉባኤኛ ነቲ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ሰ-ባይቶን መሪሕነቱን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ንዕብየትን ብልጽግናን ዝዕድም፣ ዘላቒ ሰላም ዘረጋግጽ፣ ዝምድናታት ንምፍጣር ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ ደገፍ ብምግላጽ ብዝለዓለ ተወፋይነት ክቃለሰሉ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ሓሊፉ። ነቲ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰ-ባይቶ ሰፊሕ ኩሉ ሓቈፍ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ንምምስራት ብዕቱብ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ዕላማ ብምድጋፍ ክውን ንምግባሩ፣ ሓፋሽ ህዝብናን ናይ ለውጥን ደሞክራስን ሓይልታቱን ሙሉእ ደገፎም ክህብዎን ርኡይ ተሳትፎኦም ከረጋግጹን ጉባኤኛ ብትሪ ይጽውዕ። ኣብቲ ካልኣይ መዓልቲ ናይ’ቲ ጉባኤ ከኣ ኣባላት ሰ-ባይቶ፣ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዘይጸንሑን ሕጹያት ናይ ዝምስረት ሓድሽ ሰልፊ፣ ከምኡ’ውን ተዓዘብትን ዝተሳተፍዎ ዕምቆት ዝመልኦ ሃናጺ ኣስተምህሮታት ዘሰነዮ ሰፊሕ ሰሚናር ተኻይዱ። ተሳተፍቲ እዚ ኮንፈረንስ’ዚ ምስረታ ሓድሽ ሰልፊ ንምዕዋት ዘለዎም ደገፍን ምንዮትን ብምግላጽ ንምዕዋቱ የገልግሉ‘ዮም ዝበሃሉ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ለበዋታቶምን ኣምዝጊቦም። ኣብ መደምደምታ ተሳታፋይ እዚ ኮንፈረንስ’ዚ ብሙሉኡ እዚ መስርሕ ምምስራት ኩሉ-ሓቈፍ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ኣፍደገ ዕርቅን ምርድዳእን ብግቡእ ዝኸፍት ንህዝብና ባና ሰላምን ደሞክራሲን ዘብርህ ክኸውን ዘለዎ እምንቶኡ ኣስሚሩሉ። መሰረት ናይ ዕርቂ ብናይ ነፍሰ-ኣተሓሳስባ ተቐይሮ ይጀምር !!!!! ክንዕወት ኢና !!! ሰነ 1- 2008 ዓ.ም.
|
|
[Party Membership Registration Form] Send mail to info@speedliberty.org with
questions or comments about this web site.
|