ዑደት ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ወኪል ኮሚሽን ምምስራት ሰልፍን ኣብ ኖርወይ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

22.06.2008

ብጻይ ተኸለ መለኪን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጕራዊ ዝምድናታት፥ ብጻይ ብርሃነ ተስፋጋብር” ሓላፊ ገንዘባዊ ቤት ጽሕፈት፥ ብጻይ ነጋሲ ሓምደ፡ ኣባል ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ካብ ዕለት 13-16 ሰነ 2008 ኣብ ኖርወይ ዕዉት ዑደት ኣካይዶም።

 ኣብ’ዚ ዑደት’ዚ፡ ብጾት ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣባል ኮሚሽን ምስረታ ሰልፍን ናይ ኣባላትን ክፉት ናይ ህዝብን ኣኼባታት ኣካይዶም። ከምኡ ውን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰልፍታትን ኖርወይን ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኖርወይን ምስ ናይ ኦስሎ ናይ ሰላምን ሰብኣዊ መሰልን ማሕበር ተራኺቦም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምስ ኣባላት ውድብ ዝነበሩን ግዱሳት ኤርትራውያን እናተራኸቡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ግዲኦም ከበርክቱን ኣብ’ቲ ዝምስረት ዘሎ ሰልፊ ክጽንበሩን ጸዊዖም። 

ብጾት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታትን ርክባትን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ህልዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን፤ ብዛዕባ ውሳኔታት ጕባኤን ትግባረኡን፤ ብዛዕባ ምስረታ ሰልፊ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፤ ተራ መንእሰይን ራእይ ውድብናን ኣመልኪቶም ዝርዝር ሓበሪታን መብርህን ሂቦም። 

ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ብጻይ ሓምድ ድራር፡ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ብዛዕባ እቲ ብኣካል ዝተሳተፎ ሓድነታዊ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝርዝር መግለጺ ሂቡ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ምዕዋት ናይ’ቲ ጕባኤ ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ግደ ድማ ኣመጕሱ። ከምኡ ውን፡ ብጻይ ወልደኣብ ፍስሃጽዮን፡ ኣቦ መንበር ናይ’ቲ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ሲቪላዊ ማሕበር ሕብረት ኤርትራውያን፡ ብልኡኽ ውድብና ዝቐረበ መግለጺ ድሕሪ ምምጓስ፡ ውድብና ከካይዶ ንዝጸንሐ ጻዕርታት ድሕሪ ምንኣድን፤ መንእሰያት ኤርትራ ካብ’ቲ ገሃነም እሳት ዝዀነ ሃለዋት ወጺኦም እንደገና ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ዘርብሕ ንጥፈታት ክዋስኡ ከምዘይግባእ፤ ከም መንእሰያት ተጸበይቲ ክዀኑ ከምዘይብሎምን ድሕሪ ምእማት፤ እጃሞም ኣብ ቃልሲ ከበርክቱ ጸዊዑ።  

ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም መንእሰያት ውን ሓደ ድሕሪ’ቲ ካልእ እናተንስኡ፡ ናብ’ቲ ናይ ስርዓት ኤርትራ በዓላትን መራኸቢ ቦታታትን ዝኸዱ፡ ነቲ ስርዓት ደጊፎም ዘይኰኑስ፤ ካልእ መተካእታ ዝዀኖም መራኸቢ ቦታታት ስለዘይብሎም ምዃኖም ሓቢሮም። ብተቓወምቲ ውድባት ዝመሓደር ናይ መራኸቢ ቦታታት ክግበረሎም ድማ ተላብዮም። 

ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ድማ፡ ልኡኽ ውድብና ምስ ኣኽታር ቾዲ ወኪል ዴሳዊ ሰልፊ ኖርወይ ኣብ ፓርላማን ኣባል ቀዋሚት ኮሚቴ ፍትሒ ኣብ ፓርላማን፤ ምስ ሃንስ ጃኮብ ፍራይደንሉንድ፡ ምኽትል ዳይረክተር ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኖርወይ ተራኺቡ። ኣብ’ዚ ርክብ’ዚ ክኑት አስፐላንድን አሊን ግራይ የንሰን እተባህሉ ላዕለዎት ኣማኸርቱን ውን ተራኺቦም ነይሮም። ብወገኖም በቲ ዝተዋህቦም ሓበሬታን መብርህን ሕጕሳት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ርክባት ኣብ መጻኢ ቀጻሊ ክኸውን ተላብዮም።

 

 

 

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08