ባርዕ ሓዊ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣብ ንብረት ጕድኣት ኣውሪዱ 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

22.06.2008 

ብ18 ሰነ 2008 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዘጋጠመ ናይ ሓዊ ባርዕ፡ ኣብ ንብረት ተቐማጦ ዓቢ ጕድኣት ኣውሪዱ። ኣብ’ዚ ባርዕ’ዚ፡ 23 ኣጕዶታት ምስ ምሉእ ንብረቱ፡ 5 ረፍሪጀረይተርን 2 ጀነረይተርን ብሓዊ ከምዝሓረረ ካብ’ቲ ቦታ ዝበሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እቲ ወሪዱ ዘሎ ጕድኣት ብገንዘብ ክትመን እነክሎ ኣስታት 50 ሚልዮን ጅኔ ሱዳን ይኸውን። ጠንቂ ናይ’ቲ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ጌና ኣይተፈልጠን። ቅድሚ ሕጂ ውን ተመሳሳሊ ባርዕ ሓዊ ኣብ’ቲ መዓስከር ኣጋጢሙ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

 

 

 

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08