|
|
|
|
ሊብያ፡ 230 ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምብራር ትሸባሸብ ኣላ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 23.06.2008 ካብ ሊብያ ብዕለት 23 ዝበጽሓና ሓበሬታ 230 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ሃገሮም ንምብራር ሰበ-ስልጣን ሊብያ ምድላዋቶም ወዲኦም ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ኢዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ እዞም ብጭንቀትን ስንባደን ተዋሒጦም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ህይወቶም ንምድሓን ናይ ኵሎም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን፤ ከምኡ ውን፡ ናይ ኵሎም ወጻእተኛታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስታትን ሰልፍታትን ኣውያት ብህጹጽ ክስምዓሎም ይሓቱ ኣለዉ። ኣብ ሊብያ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክሳብ 700 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ካብኦም ንሕጂ 230 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክባረሩ ተበዪኑሎም ኣሎ። ናይ’ዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ህይወት ናይ ኵሉ ብህዝቡን ሃገሩን ብሰብኣዊ መሰል ዝግደስን ሕልና ዘለዎ ሰብ ሓላፍነት ምዃኑ ተረዲእና ንምድሓኖም ውዓል ሕደር ዘይብሉ ህጹጽ ስጕምታት ክንወስድ ንጥለብ ኣሎና። ቅድም ክብል ውን፡ ሰበ-ስልጣን ሊብያ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ከምዘባረሩን ንብዙሕ ዓይነት ግፍዕታት ክቃልዑ ከምዝገበሩን ዝዝከር ኢዩ።
|
|
[Party Membership Registration Form] Send mail to info@speedliberty.org with
questions or comments about this web site.
|