|
|
|
|
ኣወንታዊ ሰውራ
ብዕለት 15 ሰነ 2008 ኣብ ኮንፈረንስ ምምስራት ሰልፊ ኣውስትራልያ ብኣቶ ሃይለ ገብሩ ዝቐረበ መደረ መእተዊ ሓዲሽ ብርሃን ተወሊዑ ዘሎ መሲሉ ይረኣየኒ፡ ጸልማት ነዚ ተወሊዑ ዘሎ ብርሃን ክቆጻጸርን ከጥፍእን ዓቕሚ ዘለዎ ውን ኣይመስለንን።ኣካል ናይ’ዚ ተወሊዑ ዘሎ ብርሃን ምዃነይ ንነብሰይ ዕድለኛ’የ ዝቖጽራ። እንኳዕ ተኸላኻላይን ዓቃብን ጸላም ኣይኮንኩ፡ ካብ ከምዚ ዝመስል ስራሕ ዝኸፍእ ክሳራ ኣብ ሕ/ሰብኣዊ ህይወት ስለ ዘየለ። ተ.ሓ.ኤ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ ቀዳማይ ዓመጻዊ ብርሃን ዝወልዐ፡ ንጸልማት መግዛእቲ ጭራ ብርሃን ነጻነት ኣርእዩ ዘሰንበዶ ውድብ እዩ። ሕጂ ከኣ ተ.ሓ.ኤ ሰ/ባ ታሪኹ ደምዲሙ ንሓዲሽ ሰልፊ ቦታ ብምኽፋት ሓዲሽ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ሽግ ክለዓል ተባዕ ተበግሶ ወሲዱ ኣሎ። እቲ ዓመጽ ዝናውቱ ጸላም ዝምልክቱ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ በዚ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ጩራ ከምዝስንብድ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ውዒሉ ሓዲሩ ከኣ ብርሃን’ዩ ዘሰንፍ። ምስጋና ይብጽሓዮም መሪሕነትን መሰረታትን ተ.ሓ.ኤ ሰ/ባይቶ ሳላ እቲ ዘይሕለል ቃልሶምን ብሩህ ኣወንታዊ ኣተሓሳስብኦምን ሓዲሽ ኣወንታዊ ዘርኢ ተዘሪኡ ኣሎ። እዚ ተዘሪኡ ዘሎ ኣወንታዊ ተስፋ፡ ነቲ ኣብ ፖለትካዊ ህይወት ሃገርና ዓብሊሉ ዘሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስብን ኣሰራርሓን ዝምድናታትን ኣብ ምቕያር ኣወንታዊ ተራ ክጻወት እዩ። ፍሪኡ ድማ ብዘይጥርጥር ንህዝብና ዘዕግብ ንነባሪ ሰላምን ዲሞክራስን እምነ መሰረት ዘቐምጥ ክኸውን እዩ። ምስጋናይ ይብጸሓዮም ኣባላት ሓባራዊት ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊን ኣባላት ክኾኑ እተመዝገቡ ሕጹያት ሰልፍን፡ ሳላ ዘይሕለል ጻዕሮም ሓዲሽ ታሪኽ ይስራሕ ኣሎ፡ ሳላ ኣብርክቶ ኩሉ ምዕባለ ጉዕዞ ምምስራት ሰልፊ ፍጡን ኮይኑ ኣሎ። ዕማም ኮሚሽን ተደምዲሙ ጉብኤ ሰልፊ ዝግበረሉ ዕለት ከኣ ዳርጋ ኣኺሉ እዩ። ሎሚ መዓልቲ ንኮንፈረንስ ኣውስትራልያ ንኽትዕ ከገልግል ካብቲ ኣብ ውሽጢ ጉዕዞ ምምስራት ሰልፊ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ርእይቶት ዝነቅል ገለ ገለ ሓሳባትን ርእይቶታትን የቕርብ ኣለኹ።ኣቀራርባይ ንኽትዕ ዝዕድም ክኸውን ተስፋ ይገብር።ፖሊሲ ሰልፊ ዝውስን ጉብኤ ሰልፊ እዩ። እዚ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶታት ንኽትዕ ዝዕድም ኣብ ምሕንጻጽ ፖሊሲ ሓጋዚ ተራ ክጻወት ዝኽእል እምበር ንገዝእ ነብሱ ፖሊሲ ሰልፊ ክቑጸር ከምዝይግብኦ ኣቐዲመ ከጠንቅቕ ይፈቱ። እተፈላለዩ ርእይቶታት ክሳብ ድሮ ጉብኤ ማዕረ ክብሪ ክህልዎም እዩ።ጉብኤ ጥራይ እዩ እቲ ዘድልዮ መሪጹ ነቲ ዘየድልዩ ክጉሕፍ ዝኽእል። እዚ ድሕሪ ምብርህ ኣብ’ቲ ነጥብታት ክኣቱ ኣፍቁዱለይ። ንምንታይ ኣውንታዊ ሰውራ? ለውጢ የድሊ ኣሎ።እቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ተራ ለውጢ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ፖለቲካዊ ሽግራት ሃገርና ተራ ሽግር ስለ ዘይኮነ። እቲ ሽግርና ለጊብካ ለጋጊብካ ብጽገና ዝዕረ ኣይኮነን።ሽግርና ሱር ዝሰደደ ከቢድ ሽግር እዩ። እቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ድማ ቃል ዶ/ገበረመስቀል ምክትል ኣቦ መንበር ሓባራዊ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ክልቃሕ “ ሱር ነቀል” ለውጢ እዩ። ነቲ ብኣሉታ ተዓብሊሉ ዘሎ ኣተሓሳስብና ኣሰራርሓና ዝምድናታትና ብሱሩ ዝንቕንቕ ለውጢ’ዩ ዘድሊ ዘሎ።ነቲ ኣሉታውን ድስኩልን ፖለትካዊ ሃለዋትና ዘነቓንቕ ኣወንታዊ ሱር ነቀል ለውጢ’ዩ ዝድለ ዘሎ፡ ነዚ ከኣ ኣወንታዊ ሰውራ እንተበልናዮ ልክዕ ስሙ’ዩ ዝመስል ዘሎ። እዚ ነቕሞ ዘለና ሰልፊ ንሱር ነቀል ለውጢ፡ ንኣወንታዊ ሰውራ ኣተዓጥቀ ሰልፊ ክኸውን’ዩ ሕልምና። ንገዝእ ነብሱ ካብ እሉታዊ ኣተሓሳስባ ተገላጊሉ ንኣወንታዊ ለውጢ ዝዕጠቕ፡ ንህዝብና ካብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምግልጋልን ንኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ምድላውን ዝሕግዝ። ነቲ ቁልቁል ኣፋ ተደፊኡን ደኒኑን ዘሎ ርእሲ ህዝብና ኣብ ምቕናዕ፡ ነቲ መለኽቲ ጸሪጉ ሃገር ክሃንጽ ዝኽእል ዕቑር ዓቅሚ ህዝብና ኣብ ምብርባር ተርኡ ዝጻወት ሰልፊ ክኸውን’ዩ ድልየትናን ዕላማናን። -1- ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሰፊሩ ከምዘሎ “ዕላማ ሰልፍና ሓድነት ህዝባን መሬታን ዘዕቆበት፡ ሰላምን ፍትሕን ዝሰፈና፡ብደሞክራሲያዊ ሕገ-መንግስቲ እትመሓደር ንኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን እተኽብር ብልጽግቲ ኤርትራ ምህናጽ እዩ።” ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት እንኽተሎ ኣገባብ ሰላማውን ዲሞክራስያዊን ክኸውን ይግብኦ። ምኽንያቱ ከምዚ ዝመስል ዕላማ ብዓመጽን ሓይልን ክፍጸም ስለ ዘይክእል እዩ። ካብዚ እምነት እዚ ብምንቃል፡ ሰልፍና ንሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ብጽንዓት ዝቃለስ ሰልፊ’ዩ ክኸውን ዝግብኦ። ኣብቲ ዓመጽ ዝምህሩ መምሃራን ዝበዝሕዎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ ሰልፍና ተወሰኺ መምህር ዓመጽ ክኸውን ክመርጽ የብሉን። ሰልፍና፡ ኣብ’ቲ ወተሃደራዊ ሰነ ስርዓትን ዓመጽን ጽልእን ቅርሕንትን ዝምህር፡ መማህራን ስለ ዝበርዝሕዎ ጸቢቡ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ዓመጽ ቦታ ክረክብ ክቆራቆስ ኣይግብኦን ። ሰልፍና ንዕላምኡ ዘገልግል ሓዲሽ መንገዲ ክመርጽ የድልዮ። ንዕላምኡ ዘገልግል ሓዲሽ ንሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ሰነ ስርዓትን ባህልን ዝምህር ቤት ትምህርቲ ክኸፍት ይግብኦ። ኣብ ክንዲ ጽልእን ቅርሕንትን ፍቕርን ሕውነትን ተኻኣኢልካ ምንባርን ምክብባርን ክምህር ይግብኦ። ኣብ ክንዲ ኣሉታ ኣወንታ ዝምህር ሓዲሽ ኣወንታዊ ቤት ትምህርቲ ክኽፍት የድልዮ። ሰልፍና ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቀላይ ኣብ ሃገርና ክፍጠር እጃሙ ከበርክት እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቀላይ ሓምቢሱ ህላውኡ ከረጋግጽ ዝኽእል ሰልፊ ንምግባሩ ከኣ ከይተሓለለና ክንቃለስ ይግብእ። ኣብ ሰላማዊ ዶሞክራስያዊ ቀላይ ዝግበር ሰላማዊ ውድድር ብቑዕ ሰላማዊ ተወዳዳራይ ክንገብሮ ክንቃለስ ውን የድልየና። ኣተሓሳስባና ኣሰራርሓና ኣመራርሓና ባህልና ንሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቀላይ ዝምችእ ክኽውን ኣለዎ። ንነብስና ዓሊምና ንዝህብና ውን ኣብ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቀላይ ብቑዕ ሓንባሳይ ክንገብሮ ክንቃለስን ክንምህርን ይግብእ።እቶም ንዓሰርተ ሽውዓተ ዓመት ዓመጽን ወተሃደራዊ ሰነ ስርዓትን ጽልእን ቅርሕንትን ክመሃሩ ዝሓገዩ መንእሰያትና ውን ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ብቕዓት ከጥርዩ ክንምህሮም ይግብኣና። እዚ ክንገብር ከለና ግን በሊዖም ኣብ ልዕሊ ሰብ ጉድእት ዘውርዱ ሓራግጽ ኣብ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቀላይ ከምዘለው ክንርስዕ ኣይግባእን። ካብ ክምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓደገኛታት ሓራግጽ ነብስና ንምክልኻልን፡ ዘውርድዎ ጉድኣት ንምንካይን ንምቁጽጻሮም ዘኽእለና ፍልጠትን ክእለትን ከነጥሪን ከድልየና እዩ። ሓራግጽ ክንከላኸል ክንብል እነጥርዮ ብቕዓት ግን ናብ ሰብ ዝበልዑ ሓራግጽ ከይቅይረና ክንጥንቅቕ ይግብኣና። ንህዝብናን ንመንእሰያትናን ውን ሓራግጽ ከምዘለው ከነፍልጦም ኣለና፡ ንሓራግጽ ዘከላኽሎም ብቕዓት ከጥርዩ ውን ክንሕግዞም ይግብእ።እዚ ክንገብር ከለና ከኣ ዓበይትን ንኣሽቱን ሓራግጽ ከይነፍሪ ክንጥንቀቕ ኣለና። ንሓራግጽ ከመይ ገርና ክንቆጻጸሮም ከም እንኽእል ካብ ጥበብን ክእለትን ተሞክሮን ነብስ ሀር ስቲቭ አርዊን ዝተባህለ ሓራግጽ ዝሃድን ዝነብረ ኣውስትራላዊ ኣገዳሲ ትምህርቲ ክንቀስም ንኽእል ኢና። ማህጸን መለኽቲ ዝኾነ ዓማጺ ታሪኽና ዝሓለፈ ታሪኽና ታሪኽ ዓመጽ እዩ።ቅድሚ ምምጻእ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ዞናና ዝነበሩ ሓያላት ምሳፍንቲ፡ ብዓምጺ ጠባዮም ንህዝብታት ዞናና ሃዊኾሞ ነበሩ። ፋሽስት ጥልያን ንሃገርና ድሕሪ ምሓዙ ውን ንህዝብና ንዓመጻዊ ዕላምኡ መሳርሒ’ዩ ክገብሮ ፈቲኑ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣዐስኪሩ ንዕላምኡ ዘገልግል ዓመጻዊ እተሓሳስባ ኣብ ምዝርእ ተጸሚዱ ነበረ።እቲ ንሓርበኛታት ኤርትራውያንን ንህዝቢ ልብያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝንዕቕን ዝጸልእን ኣተሓሳስባ ፋሽሽቲ ጥልያን ኮነ ኢሉ ንዓማጽን ወራሪን ዕላምኡ ክጥዕም ዝዘርኦ መርዚ እዩ ነይሩ። ኣቲ ዘሕዝን ግን ሎሚ ልክዕ እቲ ፋሽስት ጥልያን እተኸተሎ ኣገባብ ዝኽተል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣኪቡ ዓመጽ ዝምህር ንሓርበኛታት ደቂ ሃገርን ንጐረባብቱን ዝንዕቕን ዝጸልእን ኣጸላሚ ጐስጓስ ዘካይድን መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምህላው እዩ። ድሕሪ ስዕረት ፋሽስቲ ጥልያን ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ህዝብና ምስ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ እተላለየሉ እዋን ነበረ። እተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ሰላማዊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት፡ ነጻ ጋዜጣታት፡ ፖለቲካዊ ክትዓት፡ ፖለቲካዊ ኣኼባታት ዳሓር ከኣ ፓርላማ ኤርትራን ሕገ መንግስቲ ኤርትራን እተራእይሉ እዋን ነበረ። ገዝእቲ ኢትዮጵያ ግን ብዓመጽ ንነጻነት ኤርትራን ንኹሉ ዝምዕብል ዝነበረ ዲሞክራስያዊ ትካላትን መሳርሕታትን ህዝቢ ኤርትራን ደምሰስዎ። ድሕሪ’ዚ ህዝብና ነቲ ኣብ ዝባኑ እተቐመጠ ቁርዲድ ብሓይሊ ከልግሶ ነይሩዎ።ብሰላም ካብ ዝባንካ ክለቅቕ ዘይደሊ ቁርዲድ ከተልግስ ንነብስኻ ምድማይ ከኣ ቅቡል እዩ።ብረት ኣንጻር ባዕድነት ምልዓልና ቅኑዕ’ዩ ነይሩ። እቲ እዋን እቲ ዘልዓልናዮም ንዓመጽ ዝጽውዑ ጭርሖታትን መትከላትን ከኣ ብግዜኦም ገለ ክብሪ ነይርዎ እዩ። ካብቲ ውሱን ታሪኻዊ ክብሮም ኣውጺእና ብፍጹም መልክዕ ክንጥንቀመሎም እንተፈቲንና ግን ናብ ሓደገኛ ጠባይ ክመርሑና ይኽእሉ እዮም። 1- ሰላም ካብ ኣፍ ሻምብቆ ብረት እያ እትወጽእ 2- ውግእ መቐጸልታን ዝለዓለ ደረጃን ፖለትካ እዩ 3- ዓመጽ ብዓመጽ፡ ኢሾኽ ብኢሾኽ ወ.ዘ.ተ እዞም ጭርሖታት እዚኦም ንዝምድናዊ ትርጉሞም ዘንግዕና ፍጹማት መትከላት እንተቖጺርካናዮም ናብ ሓደግኛ ጠባይ እዮም ዝመርሑና። 1- ሻምብቆ ብረት ሰብ ዝቐትል ርሱንን ቅልጥፍን ጠያይት እምበር ሰላም ዘውጽእ መሳርሒ ኣይኮነን። ሰላም ንምረካብ ኣብ ብረት ጥራይ እንተ ተሞርኪስና ኣብ መዕረፊ ዘይርከቦ ደም ምፍሳስ ክነብር ንኽእል ኢና። 2- ውግእ መቐጸልታን ዝለዓለን ደረጃን ፖለቲካ እዩ ዝብል ብፍጹም መልክዑ እንተድኣ ርኢናዮ ዝኾነ ፖለትካዊ ቃልሲ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ናብ ዓመጽ ከብጽሓና ዘለዎ ክንቆጽሮ ንኽእል ኢና። 3- ዓመጽ ብዓመጽ ኢሾኽ ብኢሾኽ ሓዊ ብሓዊ ዝብል ብፍጹም መልክዑ እንተተታሒዙ መጠረስታ መዕረፊ ዓመጽ ወይ መወዳእታ ዓመጽ ኣብይ ምዃኑ ውን ክጠፍኣና እዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዝነበሩ ጭርሖታት ንሕጽረታቶም ብዝግባእ ከነለልዮም ይግባእ ንህልው ቃልስና ዝገዝኡ መትከላት ከይኮኑ ድማ ክንጥቀቕ ይግባእ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ብረት ኣንጻር ባዕዳውያን ምልዓልና ቅኑዕ እዩ ነይሩ።ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መሰልና ዝገሃሱ ባዕዳውያን ጸላእቲ ንምፍጻም ብረት ምስ ሓዝና ግን ምስኡ ጠባይና ክቕየር ጀሚሩ እዩ። ብረት ብምሓዝና ሓይሊ ረኺብና ኢና።እቲ ሓይሊ ንጸላኢ ዘርዕድ ንህዝብና ድማ ሞራል ዝህብ ነይሩ። ይኹንእምበር እቲ ንጸላእቲ ከፍርሕ ከርዕድ ካብ ሃገርና ጸሪጉ ከውጽእ መሰልናን ክብርናን ክሕሉ እተሰከምናዮ ብረት ንዝህብና ውን ዘፍርህን ዘርዕድን መሰል ህዝብና ክንደፍር ዝደፋፍእ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሓይሊ ክንርክብ ዝሕግዝ መሳርሒ ኮይኑ እዩ። በቲ ንጸላኢ ተባሂሉ እተታሕዘ ብረት ህዝብና ተደፊሩ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ምእንቲ ነጻነት ዝቃለሱ ዝነበሩ ደቁ ኣብ ትርጉም ዘይነበሮ ውግእ ሕድሕዳት ኣጥፊኡ እዩ። ሕጂ ውን ሓርነታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምድምዳሙ እቲ ኣብኡ እተጠርየ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ጌና መወዳእታ ኣይረኸበን። ብረት ነተሓሳስብና ሓንሳብ ምስ ኣስከሮ እቲ ስኽራን ክሳብ ሕጂ ካብ ሓንጐልና ክወጽእ ኣይከኣለን ዘሎ። ኣወዳድባና፡ ኣሰራርሓና፡ ኣመራርሓና ብኣሉታዊ ወተሃደራዊ መንፈስ እተጸልወ እዩ። ብረት መፍትሒ ኩሉ ፖለቲካዊ ጸገማትና ዝርኢ ባህሊ ጌና ኣይበለየን። እቶም ብቐረባ ይኹን ብርሑቕ ንብረት ተንኪፎማ ዘይፈልጡ ከይተረፉ ስሚዒቶም ብመንፈስ ብረት ተገዚኡ ንረኽቦ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዓመጻዊ ብሰላሕታ ዝማዕበለ ባህሊ ቋንቋና ተጠማዚዙ፡ ርእይቶታትና ደሪቖም ጽኑዕ መዛግብ ፈጢሮም እዮም። ካብ ርእይቶኻ ፈልከት ምባል ነውሪ ተቖጺሩ እዩ። ክትዕና ብሕጊ ውግእ ዝምራሕ’ዩ ዝመስል። ነጥቅዕ፡ ንከላኸል፡ ነድቢ፡ ነጸልም፡ መጥቅዕቲ እንተበዚሑና ነዝልቕ፡ ከም ብሓዲሽ ተዳሊና ነቲ ዝኣረገ ርእይቶና ንከላኸል። ኣተሓሳስባና ምስ ደረቐ፡ ምልስ ኢልካ እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ ኢልካ ንነብስኻ ምሕታት ቦኺሩ እዩ። ለውጢ ቦታ ስኢኑ፡ ምሕዳስ ተዘንጊዑ እዩ። ብዝለምድናዮ ኣተሓሳስባ፡ ብዝለምድናዮ ኣስራርሓ፡ ብዝለምድናዮ ዝምድናታት ኣበይ ክንበጽሕ ምዃና ርግጸኛታት ከይኮንና ክንቅጽል ንመርጽ። ቋንቋና መቐረት ስኢኑ፡ ሓሳብና ኣንኳንያ ንህዝብና ንልብና ውን ዝምስጥ ቃና ኣጥፊኡ። ኣሰራርሓና መሃዝን ተበላሓትን ቀመም ጐድልዎ ኣሰልቻዊ ኮይኑ። ዝምድናና እናጸበበ ህዝባዊ ጠባይ ከጥፍእ ጀሚሩ። ኣመራርሓና እቲ ዝድለ ክብረት ስኢኑ ። በዚ ዘንቆልቁል ዘሎ ፖለቲካዊ ኣቕጣጫ ምቕጻል ፖለቲካዊ ሞት እዩ። ካብዚ ሕሙም ሃዋህው ተገላጊልካ ሓዲሽ ህይወት ንምዝርእ ተባዕ ስጉምቲ የድሊ ኣሎ። እቲ ቅኑዕ መበገሲ ንኸምዚ ዝመስል ተባዕ ተበግሶ ከኣ ንተሞክሮኻን ንህሉው ኩነታትካን ብዕቱብ ምምዛን እዩ። ይኹንእምበር እቲ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባና ፍርዲ ኣብ ምሃብ ስለ ዝቀዳደም ንሕሉፍ ተሞክሮና ብጉብእ ንምዘን ክበሃል ከሎ ውን ንዝሓለፈ ታሪኽና ከም ቁምነገር ዘይነበሮ ተዋስኦ ቆጺርና ክንኩንኖ ከይደፋፍኣና ምጥንቃቕ የድሊ። ንዝሓለፈ ተሞክሮኻ ምምዛን ንታሪኻዊ ሕጽረታትን ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ንቕሓትን ኣብ ግምት ምእታው ከምዘድሊ ክዝንጋዕ ኣይግብኦን።ይሕመቕ ይጸብቕ ታሪኽና ድማ ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ ዘብጸሓና ስለ ዝኾነ ናብ ደረጃ ምኹንን ክንከይድ ኣይግብኣናን። ሓኹርና ኣብ ዝለዓለ ጐቦ ከምዝደየብና ንቕጸሮ። ድሕሪኡ ነቲ ዝደየብናሉ መንገዲ ደኒና ንርኢ ከምዘለና ንውሰዶ፡ ኣብቲ ላዕሊ ጐቦ ክይንና ንታሕቲ ኣንቆልቂልና ክንራኢ ከለና ዝሓሸ ካልእ መንገዲ ከምዝነበረ ክረኣየና ይኽእል እዩ። ኣብ ላዕሊ ክይንና ዝሓሸ ካልእ መንገዲ ከምዝነበረ ምርኣይና ግን ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘብጽሓና መንገዲ ክንኩንኖ ዝደፋፍኣና ክኸውን ኣይግብኦን። ንዝሓለፈ ክንመዝን ከለና ከነቆናጽብ ዘይኮነ ንመጻኢ ገለ ትምህርቲ ክንረክብ ምእንቲ ምዃኑ ክሰሓት ኣይግብኦን። ድሕሪ እዚ ኣብ ላዕሊ እተዋህበ መብርሂ፡ ኣብ ታሪኽና ምልስ ኢልና እንተድኣ ርኢና “ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን እዩ “ ዝብል ብረት ድሕሪ ምሓዝና ዝማዕበለ ደረቕ መትከል ንረክብ። እዚ መትከል እዚ እግሪ ዝረኸበ ብምኽንያት ክልተ ስሚዒት ይመስል። 1- እቲ ሓደ ካብ ሓልዮት ዝብገስ፡ ብረት ዝሓዛ ብዙሓት ውድባት ኣብ ሜዳ ኤርትራ እንተድኣ ተፈጢረን ውግእ ሕድሕድ ክመጽእ ይኽእል እዩ ስለዚ ደም ኤርትራውያን ብኸንቱ ከይፈስስ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክህሉ የብሉን ዝብል 2- እቲ ካልኣይ ድማ ሓደ ውድብ ተፈጢሩ ኣሎ ካልእ ተወዳዳሪ ውድብ ክፍጠር የብሉን። ሓደ ውድብ ንሜዳ ክብሕቶ ኣለዎ ዝብል ስሚዕት እዩ እዚ ብግርህና ክትርእዮ ከለኻ ቅኑዕ ዝመስል መትከል ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሓንቲ ውድብ ጥራይ ክትህሉ ከላ ሽግር ዘለዎ ኣይመስልን እዩ ነይሩ።ኣብ ጉዕዞ ሓዲሽ ነገር ተፈጢሩ ምፍንጫል ምስ ተረኽበ ግን እቲ መትከል ኣብ ፈታኒ መድረኽ ኣተወ። ኣቲ ሽግር ክፈትሕ እተፈጥረ መትከል ንባዕሉ ሽግር ኮነ። ኣብ ሓንጐልካ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእል እዩ ዝብል ደረቕ መትከል ሒዝካ ኣብ ኢድካ ድማ ሓይሊ ዝህበካ ብረት ጨቢጥካ ብጀካ ዓመጽ ካልእ ክትሓስብ ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ካብ ዓመጻዊ ሕድሕዳዊ ቃልሲ ክንድሕን ኢልና ዘቐመጥናዮ መትከል ንባዕሉ መሳርሒ ዓመጽ ኮይኑ። ሓድነት ንጽውዕ፡ ሓድነት ግን እቲ ንሕና እንፈልጦን እንቕበሎን ትርጉም ጥራይ እዩ ነይሩዎ።ዘተ ንጠልብ፡ እቲ ዘተ ግን ኣብቲ ንሕና ዝቐረብናዮ መፍትሒ ዘብጽሕ ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብዚ ዘይተሰማምዐ ንሓድነትን ንዘተን ዘይቅበል እዩ።እዚ ጠባይ እዚ ብረት ንሓንጐልና ምሰ’ስከሮ ዝመጸ ጠባይ እዩ። ኣቶም ምፍንጫል ዝመረጹ ውን ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸወር ኣይክእልን እዩ ዝብል መትከል ክጥሕስዎ ከለው ዝመጽእ ሳዕበን ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ነቲ መትከል ኣብ ምሕንጻጹ እተሳተፉ እዮም።ምፍንጫል ምስ መረጹ ንዓመጽ ድሉዋት ምንባሮም ዝከሓድ ኣይኮነን። ዝሓዝዎ ብረት ሓዲሽን ዝበለጸን ምጣኔ ሃብታዊ ኩነታቶም ውን ዝሓሸ ብምንባሩ ዝያድ ሓይሊ ይስምዖም ነሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምፍንጫል፡ ንልዝብን ንሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልስን ዝተዳለወ ኣይነበረን። እቲ ልዝብ ኣብ መንጐ ጓንደን ኣቡ ዓሸራን ብሓደ ሸነኽ ካላሽን ኮፍን በልጅክን ከኣ በቲ ካልእ ሸንኽ ክኸውን ግድን እዩ ነይሩ። ንሰላማዊ ኣገባብ ዝምችእ ኣተሓሳስባ፡ ኣሰራርሓ፡ ኣመራርሓ ኣይነበረን። እቲ ታሪኽና ግን ብሓቂ ኣገራሚ እዩ። እቶም ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን እዩ ዝብሉ ዝነበሩ ኣብ ጉዕዞ ሓሳቦም ቀይሮም ሜዳ ኤርትራ ብዙሓት ውድባት ከም ዘለዎ ኣመኑ። እቶም ነቲ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን እዩ ዝብል ጉጉይ መተከል ምዃኑ ብሓሳብን ግብርን እተቓለስዎ ድማ ሜዳ ኤርትራ ብሓደ ውድብ ክዕብለል ብሓሳብን ብግብርን ክቃለሱ ጀመሩ።እቶም ምፍንጫል ሓጥያት እዩ ኢሎም ዳርጋ ምሉእ ዕድምኦም ዝመሃሩ ባዕሎም መራሕቲ ምፍንጫል ኮይኖም ተረኽቡ። ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ህዝብና ኣብዚ ኣቕጣጭኡ ዝጠፍኦ ዕግርግር ዘብል ሓሳባት መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ኣቕጣጫ ስኢኑ ዕግርግር እንተበለ መዓስ ዘገርም ኮይኑ። ህዝብና ተስፋ ቆሪጹ ኢዱን እግሩን ኣኪቡ ኩልኹም ሓደ ኢሉ እንተመዘነና መዓስ ተጋግዩ። እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ከምዝሓይሽ ዘረጋግጽ ምስክር ኣበይ ምስ ተረኽበ’ዩ ክኣምነና!! ነጻነት ሃገርና እምበኣር እቲ ዕግርግር ዘብል ሓሳባት ከይጸረየ፡ ዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ምዕባለኡን ከይበለየ ስለ ዝመጸ ንውሽጣዊ ፖለትካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክከታተል ዝጸንሐ እንታይ ዝመስል ስርዓት ክትከል ክምዝኽእል ክግምት ዘሸግሮ ኣይነበረን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እምበኣር ዝለዓለ መግለጽን ምዕባለን ናይቲ ኣብ ሓርነታዊ መድረኽ እተጠርየ ዓምጻዊን ኣሉታውን ኣተሓሳስባ ኣሰራርሓን እዩ። ሰልፍና ነቲ ዕግርግር ዘብል ዘይኑጹር ኣሉታዊ ፖለቲካዊ መስመርን እቲ መሰረቱ ዝኾነ ዓመጻዊ ኣተሓሳስባን ብዝግብእ ከይመዘነን ከይነቐፈን ሓዲሽ ነገር ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። ሰልፍና ንተሞክሮ ሓርነታዊ ቃልስና መደምደምታ ገይሩ ነቲ ኣሉታዊ ኣሰራቱ ኣብ ኣተሓሳስብና ኣብ ኣስራርሓና ኣብ ዝምድናና ኣብ ኣመራርሓናና ብወሳኒ ኣገባብ ክቃለሶ እንተዘይክኢሉ ሓዲሽ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ከኣ ኣብ ምብርዓን ሓዲሽ ህይወትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው እዩ። ሎሚ ፖለቲካ ኤርትራ ኢሰያስ፡ ኢሰያስ ብዝብል ድምጺ ተዓብሊሉ እዩ ዘሎ። ኢሰያስ ውን ነዚ ስለ ዝፈለጠ ንዘረባና ዘራጉድ ተዋስኦታት ክገብር ይርአ’ሎ።ኢሰያስ ግን ፍረ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ተኽሊ ፡ ውጽኢት ናይ ሓደ ውሱን ፖለትካዊ ኩነታት ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ሽግር ሃገርና ኢሰያስ’ዩ ክንብል ከለና ኢሰያስ እንተድኣ ኣልጊሱ ምስኡ ኩሉ ሽግር ሃገርና ዝቕንጠጥ’ዩ ዝመስል።እዚ ኣገላልጻ እዚ ግን ሓደገኛ እዩ። ንዕምቆት ሽግራት ሃገርና ህዝብናን ብዝግብእ ክንርእዮ ዝሕግዝ ኣይኮነን። እቲ ዝውቱር ዘሎ ኣገላልጻ ኢሰያስ ኣልጊሱ ካልእ እሰያስ ክመጽእ ከምዝኽእል ኣየመልክትን እዩ። ሰልፍና ካብዚ ሕጽረት እዚ ክወጽእ ይግብኦ።ኢሰያስ መላኽን ክውገድ ዘለዎን ድኣ ይኹንእምበር ሰልፍና ንኢሰያስ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ንእሰያስ ዝፈጠረ ፖለቲካዊ ማህጸን’ዩ ብመሰረቱ ክቃለሶ ዘለዎ። ሰልፍና ኢሰያስ ለጊሱ ካልእ ኢሰያስ ከም ዘይመጽእ ርግጸኛ ክኸውን ኣለዎ። ህዝብና ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ርግጽኛ ክኸውን የድልዮ።እቶም መለኽቲ ዝፈጥሩ ፖለትካዊ ኣተሓሳስባታት፡ ውድባዊ ኣሰራርሓታት፡ ኣመራርሓን ዝምድናታትን ብሱሮም ክብንቆሱ ኣለዎም። ሰልፍና ከምዚኦም ዝመሰሉ ሕቶታት ብትብዓት ክምልስ ከይበቕዐ ሓዲሽ ነገር ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ የምጽእ ኣሎ ክንብሎ ኣይንኽእልን። ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ብጉቡእ ከይመርመረን ከየቃልዐን ነቶም መለኽቲ ዝፈጥሩ ፖለቲካውን ወድባውን ኩነታት ክዋግኦም ኣይክእልን። ንገዛእ ነብሱ ውን ማህጸን ምልክን ንምልኪ ምቹእ ኩነታት ዝፈጥር ሰልፊን ካብ ምዃን ሓራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ዓመጽ ይኹን ምልኪ ብቐዳምነት ኣተሓሳስባ እዮም። እቲ ንዓመጽ ዘድንቕ ታሪኽናን ባህልናን ከኣ ቀንዲ ቀለብን ማህጸንን መለኽቲ እዩ። ሰልፍና ነዚ ማህጸን እዚ ንምምካን ዝቃለስ ሰልፊ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ደሞክራስያ ይኹን ሰላም ምጭራሕ ቀሊል ስራሕ እዩ። ንታሪኽካ ብዓይኒ ነቐፈታ ገምጊምካ ካብቶም ኩሎም ንምልኪ ዘገልግሉ መሳርሕታት ንነብስኻ ኣገላጊልካ ንምልኪ ከም ስርዓት ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ኣመራርሓን ዝምድናታትን ብሱሩ ንምብንቋሱ ምቅላስ ግን ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዕላማና ኣብ ምዕዋት ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ ደጊመ ክቕርቦ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሰፊሩ ከምዘሎ “ዕላማ ሰልፍና ሓድነት ህዝባን መሬታን ዘዕቆበት፡ ሰላምን ፍትሕን ዝሰፈና፡ብደሞክራሲያዊ ሕገ-መንግስቲ እትመሓደር ንኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን እተኽብር ብልጽግቲ ኤርትራ ምህናጽ እዩ።” ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት እንኽተሎ ኣገባብ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ክኸውን ይግብኦ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ንዕላማና ኣብ ተግባር ከይነውዕሎ ዝዕንቅፈና ቀንዲ ሽግር ህሉው ዓማጽን መላኽን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እዩ።ነዚ ስርዓት እዚ ከየልገስና ዕላማና ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ኣይንኽእል። ኣንጻር እዚ ስርዓት እዚ እንገበሮ ቃልሲ ንሱ ብባህርያቱ ዓማጺ ስለ ዝኾነ ግን ካብ መንገድና ሸትት ዘብለና ክኸውን ኣይግብኦን። ነዚ ዓንቃፊን ዓማጽን ስርዓት ንምልጋስ እነካይዶ ቃልሲ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ንሕና ድልየትናን ዕላማናን ኣገባብናን ሰላማውን ዲሞክራስያውን ድኣ ይኹንእምበር እቲ ዓማጺ ስርዓት ኣብ ዘይደለናዮ ጐንጽታት ከእትወና ከምዝኽእል ኣይንስሕቶን። ነብስና ክንከላኸል ኣብ ዘይንኣምነሉ ኣገባብ ክንኣቱ ንኽእል ንኸውን። እዚ ግን ፍሉይን ንጹልን ግዝያውን ኩነታት ድኣ’ዩ ክኸውን እምበር ንኣገባብ ኣቀላልሳና ዝገልጽ ክኸውን ኣይኮነን። ዓመጽ ብዓመጽ ካብዝብል ጉጉይ መበገሲ ነቒልና ንዓማጺ ስርዓት ብዓመጽ ጥራይ ኢና ክንስዕሮ እንኽእል ኣብ ዝብል መደምደምታ ክንወድቕ ኣይግብኣናን እዩ።ንዓማጺ ስርዓት ብዓመጽ ክንቃለሶ እንተወሲንና በቲ ሓያል ጐኑ ክንቃለሶ ወሲንና ማለት እዩ። ከበሮ ሓምሓም’ዩ ክወቅዕ። ምኽንያቱ እቶም ዝሞቱ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ውሑዳት መለኽቲ ኣይኮኑን። እቲ ንሞት ዝፈረድዎ ብግደታ ኣሰሊፈሞ ዘለው ኣብ ለውጢ ጠቕሚ ዘለዎ መንእሰይ ኤርትራ እዩ። ይኹንእምበር ንዓማጺ ስርዓት ብዘይዓመጻዊ ኣገባብ ክንቃለሶ ክንመርጽ ከለና እንታይ ማለትና ምዃኑን ከመይገርና ክንገብሮ ከምዘለናን ውን ንጹር ክኸውን ይግብኦ። ብዘይዓመጻዊ ኣገባብ ክትቃለስ ምምራጽ ንምምብርካኽ ምምራጽ ኣይኮነን። እቲ ዕላማ ንጹር እዩ። ብህላወ መላኺ ስርዓት ዕላማ ሰልፍና ክረጋገጽ ኣይኮነን። መላኺ ስርዓትን ዓማጺ መሳርሕታቱን ክውገድ’ዩ ዘለዎ። መላኺ ስርዓት ብፍተቱ ንስርዓቱ ከልግሶ ንመሳርሕታት ክኸስሮ ይመርጽ’ዩ ዝብል እምነት ውን ክህልወና ኣይግብኦን እዩ።እዚ ንጹር እንተድኣ ኮይኑ ከመይገርና ድኣ ኢና ንምልካዊ ስርዓት ክንስዕሮ ዘለና? ኣውንታዊ ሰውራን ህዝባዊ ናዕብን ኣወንታዊ ሰውራ፡ ድኸመታት እቲ ስርዓት ጥራይ እናኣራረኻ ኣብ ምንቃፍ ግዜኻ ምጥፋእ ኣይኮነን፡ ንድኸመታት እቲ ስርዓት እናኣቀላዕካ ንስኻ ውን ካብኡ ትሓይሽ ምዃንካ ብተግባር ከተመስክር ምፍታን እዩ። ኣወንታዊ ሰውራ ሕጂ ነቲ ስርዓት ኣብ ምፍራስ ጥራይ ነተኮር ምህናጽ ጽባሕ ነርክበሉ ዝብል ኣረኣእያ ኣይቅበልን፡ ነቲ ስርዓት ብዝህባዊ ዘይምእዙዝነት ንምምካኑ እናተቓለስና እቲ ክህነጽ ዘለዎ ካብ ሕጂ ክንሃንጾ ምጅማር እዩ። ህንጸት ብኣተሓሳስባ ስለ ዝጅመር ሰልፍና ንህንጸት ዝሕግዝ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ህዝብና ክምዕብል ክቃለስ እዩ። ንዝተፈላለዩ ክኢላታት ካብ ሕጂ ንህንጸት ሃገር ዘገልግል መጽናዕትታት ክገብሩ ዕማም ክህብ እዩ። ነ’ቶም ኣብ ሓደ ነገር ማለት ኣብ ምፍራስ እዚ ስርዓት ጥራይ ከነተኩር ዝሓቱና ኣይክንቅበሎምን እና። እዚ ህሉው መላኺ ስርዓት እቲ ዝዕበየ ዕንቅፋት ምዕባለ ሃገርና ምዃኑ ንኣምን። ግን ብጀክኡ ካልኦ ዕንቅፋታት ከምዘለው ምርኣይ ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን። ንባዕሉ እቲ ጉጉይን ዘየሰርሕን ኣተሓሳስባናና ኣሰራርሓናን ዕንቅፋት ምዕባለ ሃገርና ምዃኑ ንርኢ። ክፈርስ ዘለዎ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ጥራይ ኣይኮነን እቲ ዘየስርሕን ዘይጠቅምን ንመዋእላት ዝሓዝናዮ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣሰራርሓን ዝምድናታትን ውን እዩ።ንህሉው ስርዓት ብኣድማዒ ክንቃለሶ እምበኣር ነቲ ኣብ እድና ዘሎ ድኽምታትን ምቅላስ ቀዳማይ ስራሕ እዩ። ንገዛእ ነብስና ንለውጢ ድሉዋት ከይኮንና ዕቱባት ቀየርቲ እዚ ስርዓት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ገለ ካብቲ ንምልካዊ ስርዓት ክንቃለሰሉ እንኽእል ናይ ዓወት እስትራተጂ ኣብ ታሕቲ ጠቂሰ ኣለኹ፡ እዚ ሓፈሻዊ ነጥብታት ድኣ እምበር ዝርዝር መግለጽኡ ኣይኮነን። እስትራተጂ ዓወት ብዕቱብ መጽናዕቲ ብዝርዝር ምስ ግምታዊ ወሰን ግዜ ኣብ ኢድ ሰልፊ ክህሉ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። 1- ድኹም ኣተሓሳስባናን ኣስራርሓናን ኣመራርሓናን ዝምድናታትናን ንዕድመ መለኽቲ ዘናውሕ ቀንዲ ቀለብ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ድኽመት ዘውጽእ ስጉምታት ምውሳድ ንተቓሞና ኣድማዒ ይገብሮ ጥራይ ዘይኮነ ንዝህብና ሓዲሽ ተስፋ ዝሰኩዕ ስጉምቲ ክኸውን እዩ። ህዝብና መተካእታ ኣብ ምርኣይ ዘለዎ ምጥርጣር ዝቕንጥጥ ነብሰ ምትእምማን ዝፈጥር ኣገዳሲ ተርእዮ ክኸውን እዩ። 2- ኣብ ሰላምን ዲሞክርስን ዝእምነትኦም ተማሳሳሊ ፖሮግራም ዘለዎም ውድባት ክሳብ ምጽንባር ዝበጽሕ ዝለዓለ ምትእኽኻብ ክግብሩ ይግባእ። ንህዝብና ድማ ካብ ፖለቲካዊ ምቅድዳሕ ዘለዎ ናይ ዕግርግር ፖለቲካዊ ሃለዋት ኣብ ምውጽኡን ንፍልልያት ብንጹር ከለልይ ኣብ ምሕጋዙ ተረኦም ክጻወቱ የድሊ 3- ኣብ ሰላምን ዲሞክራስን ዝእምነትኦም ግን እተፈላለየ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዎም ውድባት ሓቢሮም በቲ ዘሰማምዖም ነጥብታት ብኣድማዒ ኣገባብ ክቃለሱ ይግባእ 4- ምስተን ኣብ ሰላምን ኣብ ዲሞክራስን ዝእምንቶአን ጐረብብቲ ሃገራት ጽኑዕ ምትእስሳር ምግባር የድሊ 5- ምስቶም ሰላም ዝእምንቶኦም ኣብ ዓለም ዘለዎ ሓይልታት ጽኑዕ ምትእስሳር ምግባር የድሊ 6- ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብን ሰራዊትን ብቕሉዕ ምልዕዓሉ ብምስጢር ድማ ምስርዑ፡ ረብሓ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሰራዊትን ህዝብን ለውጢ ብምዃኑ ንለውጢ ምድላዎም። እቶም ውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለው መለኽቲ ከኣ ብጽዕቕ ጐስጓስ ተነጺሎም ከምዝረኣዩ ምግበር 7- ነቲ ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብቕሉዕ ብጽዕቕን ምልዕዓሉ ብቕሉዕን ብምስጡርን ኣገባብ ንምስርዑ ምቅላስ ብሓጺሩ እቲ ንምልኪ ደው ኣቢሉ ዘሎ ዓንድታት ብሰላማዊ ኣገባብ ብምስጡርን ሰሊኽካ ከምዝመክን ምግባሩ።ድሕሪ እዚ በብቕሩብ ንህዝባዊ ነብሰ ምትእምማን ኣማዕቢልካ ህዝብና ተዳልዩ ንምልኪ ኣብ ዝስዕር ወሳኒ ህባዊ ናዕቢ ዝኣትወሉ ስኡል መደባት ምሓዝ እዩ ። እዚ ነዊሕ መንገዲ’ዩ ዝመስል።እቲ ዝነውሐ መንገዲ ግን እቲ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ዝሓዝናዮ መኻን ዘይፍርን መንገዲ እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ እስትራተጂ ኣብ ሓጻውን ዘይኮነ ኣብ ህዝቢ ዝእምነቱ ኣብ ዝተናውሐ ዘየፍራይ ውግእ ዘይኮነ ኣብ ሓጺርን ኣቋራጭን መንገዲ ዝእምነቱ፡ እቲ ስርዓት ባዕሉ ንምልኪ ከገልግሉ ዘቖሞም ትካላት ኣንጻሩ ከምዝስርሑ ዝገብር፡ ነቶም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝርከቡ ኣካላት ተበራቢሮም ንምልኪ ኣብ ምስዓር ተራኦም ክጻወቱ ዘተባብዕ መንገዲ እዩ። እዚ ኣስራርሓ እዚ ድስኩል ወይ ልኡም ኣገባብ ኣይኮነን ዝለዓለ ተወፋይነት ዝሓትት ንጡፍ ኣገባብ ኣቀላልሳ እዩ። ኣወነታዊ ሰውራ፡ ክበሃል ከሎ እምበኣር ብቐዳምነት ንድኽመትካ ብምቅላስ ድኽመታት መለኽቲ ብቕሉዕ ከምዝርእዩ ምግባር እዩ። ንሰላም እና ተቓለስካ ዓማጺ ባህርያት መለኽቲ ተነጺሩ ከምዝርአ ምግባር እዩ። ነቶም ንዓመጽ ዝተሰርሑ ትካላት መሳርሒ ሰላም ንምግባሮም ብሰላምን ብምስጡርን ምስራሕ እዩ። ሓፈሻዊ ዘይምእዙዝነት ከምዝፍጠር ምግባር፡ ነቲ ቀስ ኢሉ ዝምዕብል ሓፈሻዊ ዘይምእዙዙነት ናብ ለውጢ ዝሓትት ህዝባዊ ናዕቢ ምቕያር እዩ። -2- ኣየናይ ሰነ ሓሳብ/ኣይድዮሎጁ/ ምኽታል ይሓይሽ? ሰልፊ ከም ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምትእኽኻብ መጠን ፖለቲካዊ ፕሮግራሙን ተግባሩን ካብ ውሱን ሰነ ሓሳብ/ስርዓተ ሓሳብ/ ዝብገስ ክኸውን ግድን እዩ። እቲ ከንቕሞ እንደሊ ዘለና ሰልፊ ውን ካብዚ ሓቂ እዚ ክርሕቕ ስለ ዘይክእል፡ እቲ እንብገሰሉ ስነ ሓሳብ እንታይ ክኸውን ምዃኑ ኣነጺርና ከነቕርቦ ክንሕተት ከለና ዝገርም ኣይኮነን። ይኹንእምበር ኣብ ውሽጢ እቲ ብኣሉታ እተዓብለለ ፖለቲካዊ ኩነታትናን ኣተሓሳስባናን ነተን ኣቐዲምና እንፈልጠን ሰናዱቕ ጥራይ እናረአና ንፍርዲ ስለ እንቀዳደም ህዱእን ምዕብልን ክትዕ ተሃስዩን ተጐዲኡን ጸኒሑ እዩ። ዓለምና ኣብ ከቢድ ሰነ ሓሳባዊ ቅልውላው ምህላዋ ውን ምስትብሃል ኣይጸንሐን። ሓንሳብ ኣተሓሳስባኻ ምስ ጸልመተ ጭራ ብርሃን ክትርኢ ቀሊል ኣይኮነን።ኣብ ዓለምና እተራእየ ዓበይቲ ፕለቲካዊ ሰነ ሓሳባት ኣብ ተግባር ዘይስርሑ ኮይኖም ከለው ጌና በቶም ዝፈሸሉ መንገድታት ክንከይድ ዝጽበዩና ውሑዳት ኣይኮኑን። ካብ ኣቐዲሙ እተቐምጠ ሰናዱቕ ወጺእካ ሓዲሽ ሳንዱቕ ምስራሕ ከምዝከኣል ውን እምነት ኣይጸንሓን። እቲ ንተግባርና ክመርሕ ዝግብኦ ሰነ ሓሳባት ንባዕሉ እንተዓዊሩ ንተግባርና ዝመርሕ ካልኦት መትከላትን ክብርታትን ከነማዕብል ከምዘለና ኣብ ግምት ኣይኣተወን። ፍሉይ ኩነታት ሃገርና ፍሉይ ትኽረት ከምዘድልዮ ኣይተራእየን።በዚ ኣገባብ’ዚ ንተግባር ዝመርሕ ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ክትመርጽ ኣሸጋሪ እዩ።እቲ ዘዋጽእ ነቲ ጭቡጥ ሕ/ሰብኣዊ ኩነታትና ኣብ ግምት ኣእቲኻ ነቲ ኣብ ዓለምና ዝጸንሐ ሰነሓሳባት ካብ እወንትኡ ከሲብካ ካብ እሉትኡ ውን ተማሂርካ ካብ ልሙድ ሰናዱቕ ወጺእካ ሓዲሽ መበገሲ ሒዝካ ብድፍረት ንጥቕሚ ህዝብኻን ሃገርካን ሓዲሽ ሓሳባት ንምምዕባል ምስራሕ እዩ። ገለ ጸሓፍቲ ከምዘቕመጥዎ “ ፖለቲካዊ ሰነ-ሓሳብ ሓደ ውሱን ሰነ ምግባራዊ፡ እኩብ ሓሳባት፡ መትከላት፡ መሰረተ እምነታት፡ ሓሳባዊ ዛንታታት ወይ ምልክታት ናይ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት፡ ትካላት፡ ደርብታት ወይ ዓበይቲ ጉጅለታት ኮይኑ ከምይ ኢሉ ሕ/ሰብ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ዘብርህን ገለ ፖለቲካውን ባህላውን ስኡል መደብ ብዛዕባ ውሱን ማሕበራዊ ስርዓት ዘቕርብን እዩ። ዝዓበየ ሃሚ ወይ ሻቕሎት ፖለቲካዊ ሰነ ሓሳብ ምምቕራሕ ስልጣንን (Power allocation) ነየናይ መወዳእታ ክትግልገለሉ ክመዘለካን እዩ” በዚ መግለጺ እዚ ኣብ ሕ/ሰብ ዝተፈላለየ ሰነ ሓሳብ ከምዘሎ ብሩህ እዩ።ዝተፈላለየ ሰነ ሓሳብ ካብ ሃለወ ድማ ስነሓሳባዊ ቃልሲ ውን ክህሉ እዩ።ስለዚ እቲ ንሓደ ሰልፊ ካብ ካልእ ሰልፊ ዝፈልዮ ስነ ሓሳባዊ መስመር ከመይ ዝበለ’ዩ ዝብል ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ። እቲ መልሲ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መግለጺ ብመጠኑ ተጠቒሱ ኣሎ። እተን ሰልፍታት ዝፈላለያ በቲ ከመይኢሉ እቲ ውሱን ሕ/ሰብ ክሰርሕን ክስራዕን ከም ዘለዎ ብዘብርህ ፖለቲካውን ባህላውን ስኡል መደበን እየን። ኣዚ ስኡል መደብ(blue print) ነቲ እምነታተን ዘብርህ ጭቡጥ መምዘኒ ጥራይ ዘይኮነ ስልጣን ከመይ ኢሉ ክመቓራሕ ከምዝደልይኦ ውን ብቑዕ ምልክት ስለዝህብ መን ምዃነንን ንረብሓ መን ከምዝሕለቓን ንምልላየን ሓጋዚ እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ዝተሓንጸጸ ፕሮግራም ጥራይ ንሓደ ሰልፊ መን ምዃኑን ኣየናይ ሰነ ሓሳብ ከምዝኽተል ንምፍላጡ እኹል ምልክት እዩ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ኣቲ ጭርሖታቱ፡ ምልክታቱ፡ ዛንታታቱ፡ ውሽጣዊ ኣሰራርሕኡ ባህሉ መግለጽታቱ ወዘተ ውን ብደቂቑ ምጽናዕ የድሊ እዩ። ከምዚኦም ዝመስሉ ሕቶታት ብምሉእነት እንተድኣ ኣጽኒዕናዮም ሓደ ፓርቲ ከምይ ኢሉ ካብ ካልእ ብሰነሓስብ ከምዝፍለ ክንርዳእ ኣሸጋሪ ኣይኮነን። ድሕሪ’ዚ ሓፈሻዊ መግለጺ ንታርኽና ብሕጽር ዝብለ ክንድህስሶ ኣድላይ እዩ። ቅድሚ ምምጻእ ጥልያን ዝነበረ ዓብላሊ ፖለቲካ፡ ሃይማኖታዊ ፖለቲካ እዩ። ኣብ ዞናና ዝነበሩ ሓይላት መሳፍንቲ ኣብ ስልጣን ክመጹ ይኹኑ ንስልጣኖም ከስፋሕፍሑ ዝግልገልሉ ፖለቲካዊ ሓሳብ ሃይማኖት ነበረ። ዓጸይ ዮውሃንስ ብኢትዮጵያ፡ ማህዳውያን ብሱዳን ፖለቲካዊ ጐስጓሶም ኣብ ሃይማኖት እተሞርኮሰ ነበረ። ጥልያን ምስ መጸ በቲ ሊበራላዊ ኣረኣእይኡ ንሃይማኖታዊ ፖለትካዊ ኣተሓሳስባ ትሑት ዋጋ ሃቦ። ኣብ ሕበረተሰብና ድማ እተፈላለየ ሃይማኖት ዝጻወር ሊበራላዊ ባህሊ ክምዕብል ጀመረ። ጣልያን ወጺኡ ኤርትራውያን ነጻ ፖለትካዊ ምንቅስቓስ ምስ ጀመሩ፡ ሕውስውስ ዝበለ ኣተሓሳስባ ነበረ።ሓንፈጽ ናይቲ ሓዲሽ ሊበራላዊ ኣተሓሳስባን ናይቲ ብሃይማንኖታዊ ኣተሓሳስባ ዝጽሎ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ እተወርሰ ፖለትካዊ ዝምባለታትን ተራእየ። ብረታዊ ተጋድሎና ፖለቲካዊ ሰነ ሓሳብና ብዝግባእ ከይማዕበለ ከይተነጸረን ተጀመረ። ብሓሳባዊ ቅልውላው ድማ ተጠቕዐ። ድሕር ኢሉ በቲ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ዴሳዊ ምንቅስቓስ እተጸልወ በቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ኣሰምራን ዝማዕበለ ዴሳዊ ሓሳባት ኣብ ቃልስና ተቐልቀለ። ነዚ ዝድግፋ ምስጢራውያን ሰልፍታት ውን ኣብ ክልቲአን ዓበይቲ ውድባት ተፈጥራ። በዚ መንገዲ ምዕብል ዝበለ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ተራእየ።ይኹንእምበር እዚ ምዕባለ እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓመጽ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ቀንዲ ውራዩ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልስና ዝማዕበለ ብምዃኑ ኣብ ክንዲ ንጉሉጽነት ንዕጽውነትን ኣብ ክንዲ ንተዓጻጻፍነት ንድርቅናን ኣሳጢሑና እዩ።እቶም ንቓልስና ክሕጉዝና እተለቃሕናዮም ሓሳባት ንገዛእ ነብሶም ንቓልስና ዝዕንቅፉ መናድቕ ኮይኖም እዮ& |