መደረ ዶ/ር ገብረመስቀል ሃብተዮናስ ኣብ ዋዕላ ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኢንዲያናፕለስ፣ ኢንዲያና

1 ሰነ 2008

ክቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ ዋዕላ!

ብመጀመሪያ ግዜኹም፣ ጉልበትኩምን ገንዘብኩምን ወፊኩም ኣብዚ ዋዕላ ንክትሳተፉ ብምምጻእኩም ዘለና ኣድናቖት ወሰን ከምዘይብሉ ክገልጽ እፈቱ። እንቋዕ ብዳሓን መጻእኩም ብምባል ካኣ ብስመይን ብስም ብጾተይ (ኣባላት ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ) ምስጋናይ ክገልጽ ኣፍቅዱለይ።

ብምቅጻል ካኣ ነቶም ነዛ ዕለት ዚኣ ክውን ንምግባር ለይትን መዓልትን ከይታሓለሉ ዝሰርሑ ኣባላት ኣሳናዳኢት ኮሚቴን ተሓባበርቶምን ልዑል ምስጋናይ ከቅርበሎም እፈቱ። ብተወሳኺ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኩነታት ኤርትራ ገምጊሙ ዋሕስ ናይ ህዝቢ ህዝቢ  ሙዃኑ ተገንዚቡ ኩሉ ኤርትራዊ ከሳትፍ ዝኽእል ናይ ቃልሲ መስመር ንምሕንጻጽ፣ ንነብሱ  አሕቂቑ ሰፊሕ ህዝብዊ ሰረት ዘለዎ ሓዱሽ ሰልፊ ንክምስረት ብሻዱሻይ ጉባኤኡ ኣቢሉ ዘሕለፎ ተባዕ ውሳኔ ወሰን ዘይብሉ ኣድናቆተይ እንዳገለጽኩ ንባላት ሰውራዊ ባይቶ ክብርን ሞጎስን ይሃብኩም እብል። ብፍላይ ካኣ ነቶም ኩሉ ውልቃዊ ዋኒኖም ገዲፎም ከይታሓለሉ ነቲ ውድብ ዝመርሑ ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቅርበሎም እፈቱ። ኣብ መጨረሻ፣ ኣባላት ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ንስለቲ ዘካየድዎን ዘካይድዎ ዘለዉን ዘይታሓለለ ቀጻሊ ጻዕሪ ኣድናቆተይ እንዳገለጽኩ ተወፋይነትኩም ቀጻሊ ከምዝኸውን ጥርጥር የብለይን እብል። ነታ እንፈትዋ ኤርትራ ሃገርናን ነቲ እንፈትዎ ህዝብና ዘርብሕ ሱር-ነቀል ልውጢ ዝሕላገቱ ሓዱሽ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ምምስራት በጺሕና ኣለና እንኳዕ ኣብዙይ ኣብጻሓና ክብል ኣፍቅዱለይ።

መእተዊ

እዚ ዋዕላ ኢዙይ ንምምስራት ሓዱሽ ሰልፊ ዘድልዩ ኣገደስቲ ነጥብታት ንምዝታይ ብሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ፣ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፣ ዝተወደበ ኢዩ። ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ካብ ዝምስረት ድሮ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣገደስቲ ዕማማትካኣ ዓሚሙ ኣሎ። ቅድሚ ኣብቲ ዝርዝር ዕማማት ምእታውና ግን፣ ንምንታይ ሓድሽ ሰልፊ ምምስራት ኣድለየ ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣድላዪ መስለኒ።

ንታሪኽ ንዳሓር ምልስ ኢልና እንተራኣና፣ ሰውራ ኤርትራ ብቡዙሕ ሓርጎጽጎጽ ዝሓለፈ፣ ሰላሳ-ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ጸላኢ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እንተላይ ቡዙሕ ሕድሕዳዊ ምትፍናን፣ ምውንጅጃል፣ ካባኡ ሓሊፉውን ሕድሕዳዊ ውግኣት ዘሕለፈ ምኳኑ ኢና ንርዳእ። እዚ ታሪኽ ኡዙይ ብጉቡእ ዘተሰነደ ጥራሕ ዘኮነስ ኮነ ኢልካውን ዝተቐብረ ቡዙሕ ከምዘሎ ዝሰሓት ሓቂ ኣይኮነን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ቃልሲ ኢዩ። ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ዝሓቐቑ ቡዙሓት ከምዝኾኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ንሳቶም ግባኦም ፈጺሞም ሓሊፎም፣ ባህጎምን ትምኒቶምን ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተን። ንታሪኾም ክቐብሩ፣ መጻኢ ወለዶ ታሪኾም ከይፈልጥ ለይትን መዓልትን ዝጽዕቱ ሓይልታት ከምዘለዉ ክስሓት የብሉን።

ብመሰረቱ ናጽነት (ካብ ባዕዳዊ መግዛኢቲ ነጻ ሙዃን) መበገሲምበር ናይ መወዳእታ ዓላማ ኣይነበረን፣ መበገሲ ናይ ሓራ ኤርትራ፣ ምዕብልቲ ኤርትራ፣ ሕጊ ዝኽበረላ ኤርትራ፣ ህዝባ መሰል ምዝራብ፣ መሰል ምጽሓፍ፡ መሰል ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ፣ መሰል መጻኢኡ ናይ ምውሳን፣ መሰል መንግስቲ ብነጻ ናይ ምቕያር፣ መሰል ቑጠባዊ ምዕባሌ፣ መሰል ካብ ሕማም ካብ ድንቁርና ናጻ ዝኾነላ፡ መሰል ብባህላውን ተክኖሎጂካውን ምዕባሌ ምዕጣቕ ዝኽበረላ ሃገር ኢዩ ነይሩ። ናጽነት ነዚ ንምግባር ሙቹእ ባይታ ዝፈጥር ናይ መጀመሪያ ኩነት ኢዩ። ስለዝኮነ ካኣ ድሕሪ ናጽነት ኩሉ ሃገራዊ አእጃሙ ንምብርካት ኣሳታፊ መድረኽ ይጽበ ነበረ።

ዝነበር ትጽቢት፦

ብቐጥታ ድሕሪ ናጽነት ሃገራዊ ናይ ዕርቂ ጉባኤ (National Reconciliation Conference) ክጽዋዕ ነይርዎ። ንኹሉ ሃገራዊ ዘሳትፍ ጉባኤ ኮይኑ፡ ኢቲ ጉባኤ ጊዝያዊ መንግስቲ የቑውም። ጊዝያዊ መንግስቲ ካኣ ብመሰጋገሪ መድረኽ ሓሊፉ ቖዋሚ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ቡዙሑነት ዝተመርኾሰ ቑዋማዊ መንግስቲ (Constitutional Government) ዝቖመሉ ኩነት ይፈጥር። እቲ ዝነበረ ናይ ናጽነት ጽምኣትን እቲ ዝነበረ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ህንጡይነትን ኣብ ግምት የእቲኻ፣ እዚ ኩነታት ኢዙይ ተፈጢሩ ነይሩ እንተዝኸውን ሎሚ ኤርትራ ኣበይ ክትበጽሕ ትኽእል ምንባራ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ብግብሪ ግን እንታይ ተገብረ፦

እቲ ዝነበረ ትጽቢታት ብሰንኪ ኢሳያስን ሰዓብቱን ኩውን ክኾውን ኣይካኣለን። ኢሳያስ ይትረፍ ብዓላማ ዘይሳማምዕዎ ንቶም ኣብ ጎድኑ ኮይኖም ምእንቲ ህዝቦም ዝተቓለሱውን እንዳኣጥፈአ ዝመጸ ሰብ ስለዝነበረ፡ ብሕግን ስርዓትን እትማሓደር ኤርትራ ክትመጽእ ኣይድሌቱን ስለዝነበረ፡ ነዚ ሙቹእ ኩነታት ንከይፍጠር ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ጺዒሩ ኢዩ። ነቶም ሂወቶም ንምኽፋል ዕድሚኦም ሙሉእ ኣብ በረኻ ከርተት ዝበሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብ ዓዲ ኮይኖም ቃልሶም ዝገበሩ ሓንጎፋይ ኢሎም ዝተቐበልዎ፣ ነቲ እሱ ገባር ዝብሎ ህዝቢ፣ ኤርትራውያንውን ካብ ምህናጽ ዓዲ ከምዘልግሱ ገይርዎም ኢዩ።

ዳርጋ ኩሉ ሰብ እቲ ዝሓለፈ ሓርጎጽጎጽ ንድሕሪት ገዲፉ (ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይሰዶ፡ ኣብ ሩባ ዘሎካኣ ዉሒጅ ይሰዶ ኢሉ) ንቅድሚት ክጓዓዝ ኣብዝተበገሰሉ ጊዜ፡ ኢሳያስን ሰዓብቱን ስራሕ ምብታንን ምፍልላይን ቀጺሎሞ። ንምጥቃስ ዝኣክል፦

ተቓውሞ ዝባሃል የልቦን (ናይ ተቓውሞ ሓሸውየ ኣይነተኣናግድን ኢና) ብጀካ ኣነ ካልእ ነዚ ዓዲ ዘምጽአ ሓይሊ የልቦን ብምባል ነቲ ዝድለ ዝነበረ ሃገራዊ ዕርቂ (National Reconciliation) ንኸካይድ ፍቕደኛ ኣይነበረን። ብዘይቡኡ ዓዲ ኣትዮም ክሰርሑ ድልዋት ዋላ ንዝነበሩውን ዓዲ ከይኣትዉ ከልኪሉ። ብወታሃደራዊ ሓይሊ ገይሩ ነቶም ጸዋዒት  ሃገራዊ ዕርቂ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሓይልታትውን ከጥፎኦም ፈቲኑ። ስለዝኾነካኣ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ፍልይ ዝበለ መደብ ኣለና ኢሎም ብሰላም ቃልሶም ክቕጽሉ ወሲኖም ዝነበሩ ሓይልታት እዚ ማኣዲ ስለዝተኸልከሉ ቃልሶም ካብ ዓዲ ወጻኢ ኮይኖም ክቕጽልዎ ተገዲዶም።ኣብዙይ ኩሉ እቲ .. ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ ናጽነት ዝዎሰዱዎ ተበግሶታት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይካኣል ኢዩ።

ህዝቢ ካብ ማኣዲ ህንጸት ሃገር ተኸልኪሉ። ኢሳያስ ገና እግሩ ከይኣተወ ሓላፍነት ከም መካሓሓሲ (Position as a Compensation)ብዝብል ፖሊሲ ኢዩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ነቲ ዝዋሃበካ ሓላፍነት ዝበቅዕ ክእለት ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ተጋዳላይ ስለዝኾንካ እቲ ሓላፍነት ይዋሃበካ። ብሰንኪዙይ ቡዙሓት ዓቅምን ክእለትን ዘይብሎም ኣብ ሓላፍነት ተመዲቦም ነቲ ኪኢላ እርትራዊ ኣይሰርሑ ኣየስርሑ ኮይኖም ቡዙሓት ኤርትራውያን ክኢላታት በብቁሩብ ካብቲ መንግስታዊ ስርሓት ከምዘልግሱ ተገይሩ።  እቲ ብግሉ ኣብ ዓዲ ምህናጽ ዝተዋፈረ ዜጋ ካኣ በብቁሩብ ከምዘልግስ ተገይሩ። ኣብዙይ፡ ኣብርእሲ ነጋዶን ናይ ግሊ ኣውፈርቲ ዝተገብረ ዘመተ ክጥቀስ ይካኣል።

ኣብ ርእሲ ትምህርትን ናይ ትምህርቲ ትካላትን ዝተገብረ ዘመተውን ቀሊል ኣይኮነን። መንእሰይ ብዓይኒ ጸጥታ ተጠሚቱ ንምድንቋሩ ዝተገብረ ዘመት ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዝፈጥሮ ሳዕቤናት ደረት የብሉን። ዩንቨርሲቲ ተዓጽዩ፡ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ኤርትራ ኣብ ዓለም ቁቡል ዝኾነ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ የብላን። ብሓፈሽኡ ትምህርትን ናይ ትምህርቲ ደሌትን ተዳኺሙ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ብፍልጠትን ተክኖሎጂን ዝዕጠቕ ብብዝሒ ናብ ስደት ዘምራሓሉ ጊዜ ኢዩ። ካብዚ ኩነታት እዙይ ዝኸስብ እንተሃልዩ ኢሰያስ ጥራሕ ኢዩ።

ካብ ውሽጢ ዝተቓላቀለ ለውጢ፡ ካብ ውሽጡ ንዝቓላቀሉ ንለውጢ ዝቃለሱ ባእታት ካብ ምሕቃቅ ኢሳያስ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ክሳብ ሕጂ ዝተገብሩ ተበግሶታት ጭቡጥ ዉጽኢት ኣይተረኽቦምን። ይኩንምበር ካብ ውሽጢ ንለውጢ ዝቃለሱ ከምዘለዉ ምግንዛብውን ኣገዳሲ ኢዩ።

ህዝቢ ምስላይ፡ ህዝቢ ኣብ ነንሕዲኡ መታን ከይታኣማመን ስለያ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ምክያድ ሓደ ካብቶም ኣገደስትን ዝበዝሐ ባጀት ዝስልዓሎም ስርሓት ናይዚ ስርዓት ኢዩ።

Diaspora Illusion: እቲ ቀንዲ ምኽንያት እኳ ረብሓ እንድዩ፣ እቲ ስርዓት ብዝገብሮሎም ፍሉይ ኣራኣእያ ዓይኖም ዓዊሩ ንህዝቢ እርትራ ክፈርዱ ዝውዕሉ ቡዙሓት ኢዮም። ዝያዳ ሰቦም ሓለይቲን ተሓለቅትን ይመስሉ፡ ደቆም ኣብ ዝበለጸ /ትምህርቲ እንዳኣምሃሩ ነቲ ትምህርቲ ተሓሪምዎ ንስደትን ንሽግርን ተፈሪዱ ዘሎ መንእሰይ ካኣ ንምንታይ ካብ ዓዲ ይወጽእ ኢሎም ክፈርዱ ይውዕሉ። እዞም ሰባት እዚኦምን እቲ ስርዓትን ናይ ስምባዮቲክ (symbiotic) ዝምድና ኢዩ ዘለዎም።

ብወገን ተቓዉሞ ዘሎ ኩነታት፡ ክሳብ ሕጂ ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ዝድለ ዞሎ ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእሉ መሰረታውያን ቅድም-ኩነትውን ከጣጥሓ ኣይካኣላን። ተቓውሞን እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ካብ ሓደ ተሞክሮ ዝቦቘሉ ከምሙዃኖም መጠን፡ ተቓውሞ ሓይልታት ክሳብ ዘይተሓደሱ ካብቲ ስርዓት ዝሓሸ ስራሓት ክሰርሑ ከምዘይክእሉ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኮነካኣ ህዝቢ ኤርትራ መብጻዓ ዘካየዶ ፍትሓዊ ቃልሲ ተጠሊሙ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ትርከብ ኣላ።

ኣብዚ ጊዜ እዙይ እንታይ ዳኣ እንተተገብረ ይሓይሽ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን ይኾውን። እቲ መልሲ፡ከምቲ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ ኣቦ ወንበር ኮሚስዮን፡ዝበሎ ኣወንታዊ ሰውራ (Positive Revolution)ምክያድ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ንሐድሕዱ ኣታዓሪቑን ጠርኒፉን ናብ ዓወት ዘብጽሕ ሓዱሽ ጥርናፌን ምንቅስቓስን የድሊ ኣሎ። ከምዙይ ስለዝኮነ ኢዩ ካኣ ሓደ ሰፊሕ-ህዝባዊ ሰረት ዘሎዎ ሰልፊ ምምስራት ዘድሊ። ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ነዚ ዕማም እዙይ ብሰፊሑ