|
|
|
|
ኣስተዋጽኦ ግብረ-ሰናይ ካብ ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ህዝቢ ኤርትራ ዓለም ብዘደነቐ ጽንዓትን ተወፋይነትን ንዘመናት ተዋጊኡ መሬቱ ካብ ባዕዲ ካብ ዝምንዝዕ እንሆ 17 ዓመታት ሓሊፉ። ባህጉን ሕልሙን ኤርትራ ነጻ ኰይና ኣብ ክንዲ ውግእ ሰላም፣ ኣብ ክንዲ ጥምየት ጽጋብ፣ ኣብ ክንዲ ሕማም ጥዕና፣ ኣብ ክንዲ ድንቁርና ፍልጠት፣ ኣብ ክንዲ ስደት ኣብ ሃገሩ ብመንነቱ ኰሪዑ፣ ሰብኣዊ መሰላቱ ተኸቢሩ፣ ዓሪፉ ክንብር እዩ ነይሩ። የግዳስ መብጽዓታቱ ተጠሊሙ በቶም ካብ ኣፍ ደቁ ኣሕዲጉ ዝመገቦም እንደገና ይጭፍጨፍ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ተጋድሎ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቁ ሂወቶም ክኸፍሉ ከለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ሰንኪሎም። ጀጋኑ ውጉኣትና ከም ሰነድ ሰውራና መጠን ኣብ ሃገሮም ብኽብሪ ክነብሩ ዝግባእ እኳ እንተነበረ ስርዓት ህግዲፍ ዲክታቶርያዊ ባህርያቱ ስለዘይፈቕዶ ግቡኦም ኣይረኸቡን። ነቶም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ኣብ ማይ ሓባር ብጥይት ከምዝሃደኖም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ነቶም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ካልኦት ሃገራውያን ውድባት ኤርትራን ዝነበሩ ግን ናብታ ዝሰንከሉላ ሃገሮም ክምለሱ’ውን ኣይፈቐደሎምን። ብዙሓት ኣብ ፈቐዶ ስደት ፋሕ ኢሎም ክነብሩ ከለዉ ገለ ብኸቢድ ዝተወቕዐ ተራ መዓልታዊ ምንቅስቓሳት ኣዝዩ ከቢድ መኸተ ዝኾኖም ኣብ ከሰላ ተሪፎም ክሳብ ሕጂ ይሳቐዩ ኣለዉ። ናይዞም ጀጋኑ ብጾት እዚኣቶም ሓላፍነት ድማ ውድብ ተ.ሓ.ኤ-ሰውራዊ ባይቶ ብሕብረተ ሰብኣዊ ቤት ጽሕፈቱ ተሰኪሙዎ ይኸይድ ኣሎ። ጨናፍራት ተ.ሓ.ኤ-ሰባ ብብግዝይኡ ወፈራ ምውጻእ ወፈያ እናገበራ ወይ መነባብሮኦም ዝገልጽ ቪድዮ እናሸጣ ቁሩብ ሓገዛት ክገብራ ጸኒሐንየን። ንብድሕሪ ሕጂውን ቐጻሊ እዩ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ቓልሲ’ዚ ጨንፈር ስያትል ምስ ህዝቢ ስያትል ተሓባቢሩ ብዘካየዶ ወፈራ $ 2,000 (ክልተ ሽሕ) ቅርሺ ኣሜሪካ ተዋጺእስ ድሮ ናብ ውጉኣት ኣሕዋትና ኣብ ከሰላ በጺሑ። እቲ ኣዝዩ ዘሐጉስ ድማ ኣብዚ ወፈራ’ዚ ክሳብ ትማሊ ተኸላኸልቲ ናይ ስርዓት ህግዲፍ ዝነበሩ ምረትን ንብዓትን ህዝብና ኣሕዚኑዎም ኣብዚ ቅዱስ ዓላማዚ ምስታፎም’ዩ። ልግሲን ርህራሄን ናይ ህዝቢ ስያትል ሕጂ መጀመርያኡ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂውን ብ 2001 ዓ. ም. ፈ. ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ተቐማጦ ስያትል ብዝገበረኦ ወፈራ $1000 (ሓደ ሽሕ) ቅርሺ ኣሜሪካ ተዋጺኡ ከምዝተሰደሎም ዝዝከርዩ። እዚ ሓላፍነታዊ ስጉምቲዚ ክምጐስን ኣብ ኩሉ ክድገምን ዘለዎ እዩ።
ዝኽሪን ክብርን ንስዉአትና! ዲሞክራስያዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክእወት’ዩ! ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ጨንፈር ስያትል 21 ጉምቦት 2008
|
|
[Party Membership Registration Form] Send mail to info@speedliberty.org with
questions or comments about this web site.
|