ሊብያ፡ 700 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይተባርር ቅልጡፍ ስጕምቲ ምውሳድ ይድለ ኣሎ

ሚስተር ኣንቶንዮ ጉተረስ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR): ጀነቫ (GUTERRES@unhcr.org

ክቡር ኮሚሽነር 

ሎሚ፡ ዕለት 22.06.2008፡ ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ካብ ዝርከቡ 700 ኤርትራውያን ዑቝባ ሓተቲ 230 ናብ ሃገሮም ሎሚ ወይ ጽባሕ ክባረሩ ምድላዋት ተወዲኡ ኣሎ ዝብል ናይ ህይወት ኣድሕኑ ህጹጽ ጻውዒት ካብ ምስረታ በጺሑና። 

እዚ፡ ነመሓልልፎ ዘሎና መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንዓዛብ፡ ዘይድሩት ማእሰርትን ቅንጸላን ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ዝቃልዑ ዜጋታት ንዛረብ ከምዘሎና ኣዐሪኻ ተፈልጥ ኢኻ። እዚ ሓደጋ’ዚ ነቶም ብ2004 ካብ ሊብያ ዝተባረሩ 110 መንእሰያት ስደተኛታትን ብ2002 ካብ ማልታ ዝተባረሩ 232 ስደተኛታት ከምዘጋጠሞም ውን ትርዳእ ኢኻ። 

እዚ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ብሊብያውያን ሰበስልጣን ዝግበር ዘሎ ናይ ምብራር ስጕምቲ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ድማ፡ ካልእ ዘጕሂ ተረኽቦን፤ ናይ ኣህጕራዊ ማሕበረ ሰብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተወሳኽን ተደጋጋምን ፍሽለት ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ኢዩ። እዚ ናይ ሊብያ ናይ ምብራር ስጕምቲ ኣብ ጽባሕ ናይ’ቶም ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግብጺ ዝጸንሑን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝበጽሖምን 1600 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቝባ ብሰበ-ስልጣን ግብጺ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ናብ ሃገሮም ምብራሮም ዝፍጸም ዘሎ ተረኽቦ ኢዩ። 

ክቡር ኮሚሽነር፡ 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጥን ዲሞክራስያዊ መስርሕን ንምርግጋጽ ዝቃለስ ዘሎ ውድብ፡ እንደገና ንዓኹምን ንካልኦት ኣህጕራዊ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ማሕበራትን፡ ነዞም ብስርዓት ኤርትራን ተሓባበርቲ እቲ ስርዓት ዝዀኑ መንግስታት ናይ’ቲ ዞና ዝህደኑንን ዝሳጐጉን ዘለዉ ኤርትራውያን ህይወት ዘድሕን ህጹጽ ስጕምቲ ክትወስዱ ይምሕጸነኩም። 

ምስ ሰናይ ትምኒት

WASignature

ወልደሱስ ዓማር

ኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይትፕ

22.06.2008 

ቅዳሕ ናብ፡-

·       ወሃቢት ቃል ሚሸል ሞንታስ (Montas@un.org) ኣብ መደበር ሕቡራት ሃገራት፡ ኒውዮርክ፡

·       ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ጀነቫ፡ (Larbour@unhchr.org,)

·       ሚኒስተር ፍትሒ ሊብያ፡  (secretary@aladel.gov.ly).

·       ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ሰሜን ኣፍሪቅ/ማእከላይ ምብራቕ፡ (Osmanmanar@yahoo.com)

·       ስለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዶክተር ማርቲን ሂል፡ (mhill@amnesty.org)

·       ኤርትራውያን ሰብኣዊ ማሕበራትን መርበብ ሓበሬታታትን

 

 

 

 

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08