መግለጺ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ ሰልፊ

6ይ ጠቕላላ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንምቛም ሰፊሕ ህዝቢ ዝሰረቱ ሰልፊ ኣመልኪቱ ዘማሓላለፎ ውሳኔ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ውሽጢዚ ክልተ ዓመታት ዓበይቲ ዕማማት ምስልሳሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንህዝቢ ክሕበርን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክዝርጋሕ ምጽንሑን ዝዝከር ኢዩ። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ብኣባላት ውድብን ኣገዳስነት ናይቲ ውሳኔ ብዕምቈት መዚኖም ኣብ ድሕነት ሃገርናን ህዝብናን ክህልዎ ዝኽእል ናይ ቃልሲ ባይታ መምዮም ዝተቐበሉ ነጻ ኤርትራውያንን ዝቘመት ሓባራዊት ኮምስዮን ምምስራት ሰልፊ ምውጻኣ፡ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናብ ህዝቢ ወሪዱ፡ ሃናጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ጠርኒፋ፡ ሰነዳዊት ሽማግለ መዚዛ ኩሉ መዳያዊ መጽናዕትታት ሰሪዓ፡ ጐኒ ንጐኑ ድማ ሓንቲ 13 ዝኣባላታ ናብ መስራቲ ጉባኤ እተእቱ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቚማ ስራሓታ ኣብ ምድምዳም ትርከብ ኣላ።

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ ሰፊሕ ዝህቢ ዝሰረቱ ሰልፊ ብሸነኻ፡ መደብ ስራሓታ ሓንጺጻ፡ ንነብሳ ኣብ ክፍለ ስራሓት ተመቓቒላ ድሮ እቲ ቀዳማይ ምድላው ዘድልዮ ዕማማት ናይ ጉባኤ፡ ምውሳን ቦታ ጉባኤ፡ ምድላውን ምዝርጋሕን ቀጥዒ ተሳተፍቲ ኣባላት ጉባኤ፡ ዝኣመሰሉ ስራሓት ኣሰላሲላ፡ ኣብ ቅርዓት መስራቲ ጉባኤ ዝፍጸመሉ መድረኽ ትርከብ።

 

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም’ቶም መደባታ ኣብ ምስልሳል ዘይሕለል ጻዕርታት ኣብ ምብርካት ዝርከቡ ኣባላትን ተሓባበርትን እንዳ ኣመስገነት፡ ፍረ ዘይሕለል ጽዓታቶም ዝረጋገጸሉ ቀዳማይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዓውደ ቃልስን ዓወት ህዝብናን ዝረጋገጸሉ መድረኽ ቀረባ ምህላዉ ክንሕብር ንፈቱ።          

20 ሰነ 2008

 

 

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08