|
|
|
|
መደረ ብኣቶ ላይነ ካሕሳይ ኣብ ዋዕላ ሓባራዊ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኢንዲያናፕለስ፣ ኢንዲያና 1 ሰነ 2008 ዓ.ም. ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፤ ኢንድያናፖሊስ፣ ኢንድያና ዝኸበርኩም ሕጹያት ሰልፊ ዝኸበርኩም ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ሰ-ባይቶ፣ መሰረታትን መሪሕነትን ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽን፡ ብመጀመርያ ንዅሎም መሪሕነትን ኣባላትን ተ.ሓ.ኤ. ሰ-ባይቶ፣ ንጽኑዕ ተወፋይነቶም ኣብ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከመስግኖም እደሊ። ንውድብኩም ከተፍርሱ ምውሳንኩም፤ ኣብ ታሪኽ ፖሊቲካ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ከፊትኩም። ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገርና በዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናብ ጥርዚ ምብትታን ተገማጊማትሉ ዘላ እዋንን፤ ህዝብና ብቐጻሊ መሰረታዊ መሰሉን ናጽነቱን ኣብ ዝገሃሰሉ ዘሎን፤ ግዳይ ናይ ብኣልማማ ዝግፍዓሉን ዝሞተሉን ዝቕተለሉን ዝእሰረሉን ዝጠፍኣሉን፣ መንእሰይ ወለዶ ሃገሩ ጠንጢኑ ብኣማእት ንመዓልቲ ናብ ስደት ዝውሕዘሉን ዘሎ እዋን ኢና ናይ ሰልፊ ሕጹያት ኮንፈረንስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነካይድ ዘሎና። ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሕቶ ከመይ ጌርና ነዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኣብ ሃገርና ኣልጊስና፤ ኣብ ቦትኡ ሓደ ጽኑዕ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንተክል እዩ። እቲ መልሲ ኣብ ፖሊቲካ ኤርትራ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምትእትታው እዩ። ከመይ ጌርና ነተኣታትዎ? ንሕና ከም ፖሊቲካዊ ሰልፊ ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከነተኣታትው፣ እንታይ ክንገብር የድልየና።እቲ መጀመርያ ስጉምቲ እምበኣር፣ ደሞክራስያዊ ዝኾነ ሰልፊ ምምስራትን ብእኡ ኣቢልካ ድማ ደሞክራስያዊ ሕ/ሰብ ምህናጽ እዩ ካብዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ፣ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣተኵረ ክዛረብ እየ። 1. ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ 2. ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ 3. ኣገዳስነት (ኣረዳድኣና) ኣብ ፖሊቲካዊ ተሳትፎ 4. ደሞክራስያዊ ባህልን ኣሰራርሓን 5. ምምዕባል ደሞክራስን ጸገማቱን 6. መደምደምታ ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ 17 ዓመታት፣ ተቓውምቲ ውድባት ንፍልልያተን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣመሓዲረን ሓያልን ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምንን ተቓውሞ ክፈጥራ ኣይበቕዓን፤ ክበቕዓ ብዘይምኽኣለን ድማ እቲ ቓልሲ ናይ ደሞክራሲ ብሓደ ወገን ኣልሚሱ፤ በቲ ካልእ ሸነክ ድማ ነቲ ዘይፍትሓዊ ዝኮነ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ኣጎልቢቱ ንሃገርና ናብ ጥርዚ ፋሕ-ፋሕ ምባል ኣብጺሕዎ ይርከብ። ልክዕ’ዩ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት፤ ብዙሕ ፈተነታት ናይ ሓደ ኮንካ ምስራሕ ተኻይዱ እዩ፡ እንተዀነ ህዝብና ዝረብሓሉ ደሞክራሲ ከም ትካል ዝተኣታተወሉ ኣገባብ ክግበር ግን ኣይተበቕዐን። ኣብዚ ኣውራ ዘገድስ፡ · ስለምንታይ ተቓውሞ ክሕይል ዘይከኣለን፤ ከምኡ’ውን · ንሕና ከም ሓድሽ ሰልፊ ከም ተሞክሮ የዐሪና ክንፈልጦን · ንዝፍጠሩ ሽግራት’ከ ከመይ ገርና ነመሓድሮምን ደሞክራስያዊ ለውጢ ነተኣታቱን ንምስትብሃል እዩ። ነዚ ንምርዳእ ኣተሃላልዋ እዘን ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባትን ሳዕቤናቱን፤ ምርዳእ ብመጠኑ የገድስ። 1. ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ብመሰረቱ እዘን ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት፤ ኣተሃላልወአን ማለት ኣብ ውድባዊ ትካላዊ፣ ምምሕዳራው ቅርጸንን ኣሰራርሐአንን ንባዕዳዊ ገዛኢ ካብ ሃገርና ንምጽራግ ተባሂለን ዝተሰርሓ እየን፡ እዚ ማለት ድማ ሓደ ናይ ነጻነት ምንቅስቓስ ብረት ኣልዒሉ ብብረታዊ ጎነጽ ንዕላማታቱ ከረጋግጽ ካብ ፍሉይ ባህርያትን ፖሊቲካዊ ተረድኦን ዝነቅል ናቱ ኣምር ኣለዎ ማለት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብረት ከልዕል እንከሎ ካብቲ ብሰንሰለታዊ መግዛእትታት ዝወርዶ ዝነበረ ምጣኔ ሃብታዊ፣ ፖሊቲካዊን ማሕበርውን ጭቆናታት ሓራ ንምውጻእ ኢዩ። እዚ ስለዝኾነ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፤ ሓይሊ ብረታዊ ተጋድሎና ብምዃን ክሳብ ምዕዋት እቲ ቃልሲ፤ ብወሳኒ መልክዓቷንጻር ባዕዲ ተቓሊሱ። እንተቖነ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ተጋድሎና፡ እዘን ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባትን፤ እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓትን፤ ልዕሊ ስልጣን ህዝቢ ነብሰን ብምቝጻር ንህዝቢ ኤርትራ ብብረታዊ ቃልሲ ከምዝሓስብን ከምዝኣምንን፤ ወተሃደራዊ ባህሊ ክሰርጾን፤ እቲ ኣውራ ድማ ንደሞክራስያዊ ምምሕዳር ክሓትት ዘይክእል፤ ሕ/ሰብ ምፍጣረንን እዩ። ብሓፈሽኡ፡ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ዝኸደ ዓይነት ኣገባብ ቃልስን፤ ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ዓይነት ፖሊቲካ፤ ሕድ ሕድ ዝምድና፤ ኣተሓሳስባ፤ ከምኡ’ውን ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝድለ ደሞክራስያዊ ቃልስን ኣረኣእያን ብኣሉታ ጸልይዎ ይርከብ። እምበኣር እዘን ዘለዋ ውድባት ፈጠርትን ውጽኢትን፣ ናይዚ ኵነታት እየን። ብርግጽ ብረታዊ ተጋድሎና መዘና ዘይብሎም ታሪኻት ዘመዝገበ መዋእል እዩ። እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ብድሆታትን ዳይናሚካዊ ኵነታትን ክፍጠር ተኻኢሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ተወዲኡ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገር ምህናጽን፣ ኣብ ቅዋማዊ መንግስትን፣ ኣብ ሰላምን ፍትሕን፣ ከምኡ`ውን ኣብ ደሞክራስን ክጥምት ባህርያዊ ኔሩ፡ ይኹን’ምበር እዘን ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት፣ ኣብ ኣገባብ ብረታዊ ቃልሲ ተሸንኪረን፤ ነዚ ድሕሪ ናጽነት ዝተፈጥረ ውድዕነታትን ብድሆታትን ክጭብጦኦ ኣይከኣላን። ኣተሃላልወአን ኣብዘይ ምክእኣል፣ ዕብለላ፣ ዘይቅርቡነት፣ ንማእከላዊ ስምምዕን ዘተን ዘይምቕባል፣ ኣልቦ ተሓታትነትን ግሉጽነትን፣ ኣብ ሓድሕድ ጥልመትን ምስጢራውነትን ዝተሰረተ እዩ። እዚ ዘይደሞክራስያዊ ባህሊ እሞ ኣብቲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ውርሻታትን ተሞክሮታትን ብምዕራድ፤ ነቲ ሰላማውን ደሞክራስያውን ምስግጋር ኣብ ኤርትራ ዕንቅፋት ኮይንዎ ይርከብ። 2. ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ውድባት፡ · ህዝቢ ኤርትራ መብዛሕትኡ ተሳታፍነቱ ካብ ተቓውሞ ስሒቡ ጥራይ ዘይኮነስ ብመሰረቱ’ውን የለን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኮነን። ትርጉሙ ኸኣ፣ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ጉዳይ ህዝቢ፣ ጕዳይ ደሞክራሲ፤ ጕዳይ ለውጢይኾና ከምዘየለዋ ጭቡጥ መረዳእታ እዩ። · ብምኽንያት እቲ ብረታዊ ኣተሃላልዋ ዝወለዶ ክውንነት ቍጽሪ ውድባት ካብ ፍልልያተን ንላዕሊ ኮይኑ ነቲ ዓቕምን ሓይልን ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ከየድምዕ፣ ኣብ ምልጋስ እዚ ዘሎ ዘይፍትሓዊ መንግስትን ከይውዕል ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። · እቲ ኣተሃላልዋ ውድባት ካብ ሃገራዊ ክሳብ ትሕተ ሃገራዊ ተመጢጡ ንሃገርነት ኣብ ምድኻም ይርከብ። ረብሓታት ማሕበራውያን ጉጅለታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ድልድልትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ክረጋገጽ ከምዝኽእል ክጭብጣኦ ኣይከኣላን። · ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ውድባዊ ረብሓ ዝተወሰነ ኣተሃላልዋ ስለዘለወን ብውክልና ህዝቢ ይኹን ብሕጋውነት ኣብ ዘይፍለጣሉ ደረጃ ይርከባ። እዚ ኸኣ ብዋጋ ታሪኻዊ ፍልልያትን፣ ብስም ዓብላልን ተዓብላልን፣ ሰውራዊ ባይቶ፣ ተ.ሓ.ኤ.፣ ሳግም ወዘተ እንዳተባህለ፡ ዋኒን ደሞክራሲን ለውጥን ጨሪሱ ዝዕንቅፍ ንህዝብና ዘየርብህ፤ ኣብ ዕንክሊል ተጸሚደን ይርከባ ኣለዋ። · ብዓንዳ ርእሱ ህልውናአን ንሓድሽ ወለዶ ዘይዕድምን ዘየሳትፍን ሕቶ ደሞክራሲ ብሓደ ወገን ንተስፋታትን ሕልምን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምልስን ድማ በቲ ሓደ ወገን ኮይኑ ይርከብ። እዚ ሓድሽ ሰልፊ እምበኣር፣ ነዚ ዝብድሃና ዘሎ ጸገማት መሰረታዊ ፍታሕ ናይ ለውጢን ደሞክራስን ምትእትታው እዩ። እዚ ለውጢ ነዚ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ኣተሃላልዋ (ማለት እቲ ኣሰር ኣሉታታትን ጸገማትን ብረታዊ ተጋድሎና) ሰርካ ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሰረተ ኣገባብ ኣሰራርሓ ብኹሉ መልክዓቱ ድማ ህዝባውን ብፍላይ ድማ ንሓድሽ ወለዶ ዘቀባብልን ዘሳትፍን ምግባሩ ማለት`ዩ። ብርግጽ እቲ ከነተኣታትዎ እንደሊ ሰልፊ መሳርሒ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውን ኣለዎ። ደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምስ ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ፖሊቲካውን ምዕብልና ሕ/ሰብና ብሓደ ወገን፤ እቲ ብረትዊ ቃልሲ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ዝምድናታትን በቲ ካልእ ወገን ኣዛሚድካ፤ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብቅጽበት ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ርዱእ’ዩ። ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን ኣብ ኣተሓሳስባን ጠባይን ኣረጊት ኣሰራርሓን ለውጢ ምግባር ማለት ስለዝኾነ፤ ጊዜ ዝወስድ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ለውጢ ብባህሪኡ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ ድረጃ ስለዝሰጋገርን ቀልጢፉ’ውን ውጽኢት ዘይከርኢ ስለዝኽእል፣ ኣብ ደቂ ሰባት ፍርሕን ጥርጣረን ኣኸቲሉ ናብ ምዕንቃፍ ከብጽሕ ስለዝኽእል’ዩ። ስለዚ ሰልፍና ነቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብግቡእ ዝተኣታተወሉን ዝምዕብለሉን ዝዓብየሉን መንገድታት ክኽተል ግድን እዩ። እዚ ማለት ሰልፍና ዘቕርቦን ዘውጽኦን ቅዋማትን ፕሮግራማትን ንህዝብና፣ ብፍላይ ድማ ንሓድሽ ወለዶ ረብሓታቱን መሰላቱን ተሳትፎኡን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስትን ሃገርን ዘረጋግጽ ኣፍደገ ዝኸፍትን ክኸውን ይግባእ። በዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ዝጅምር ሰልፊ ምስእንኸውን ጥራይ ኢና ድራኺ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክንብሎ ንኽእል። ሰልፍና ክምዕብልን፤ ደራኺ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውንን ግን ክምልሶም ዘለዎ ነገራት ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም፤ ሕቶ ፖሊቲካዊ ተሳታፍነት እዩ። 3. ኣረዳድኣና ኣብ ፖሊቲካዊ ተሳትፎ፡ ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ብብዙሕ መልክዓት ዝግለጽ ኮይኑ፣ ብመሰረቱ ግን መሰል ህዝባዊ ሎኡላውነት ኣብ መስርሕ ፖሊቲካ ምርግጋጽን፡ ህዝቢ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ዝሕልወሉ መሳርሒን እዩ። እቲ እንቐርጾ ፖሊቲካዊ ፕሮግራምን ፖሊሲታትን ንውክልና ኩሎም ማሕበራውያን ክፍልታት ኤርትራ ነቲ ፖሊሲታት ናትና ኢሎም ብነጻ ድሌቶም ክቕበሉዎን ክሰርሑሉን ከምኡውን ክጣበቑሉን ዘኽእል ኣሳታፊ ፖሊሲ ክኸውን ይግባእ። ስለዚ ተረድኦና ኣብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ከመይ ክኾኑ ኣለዎም፡ · ሰልፍና ፖሊቲካዊ፣ ተሳትፎ፣ መሰል ህዝቢ ምዃኑ ክግንዘብን ንዕኡ ዘተባብዕ ትካላት ውልቀ-ሰባውን ብውዱብን ደረጃ ከተኣታቱ ይግብኦ። · ሰልፍና ነቲ ብኣሰራርርሓ ብረታዊ ቃልሲ ዝሰረጸ ኣሉታዊ ፖሊቲካዊ ባህሊ፤ ኣብ ህዝብና ( ማለት ዘይምሕታት፣ ፍርሒ፣ ጥርጣረ) ብሓድሽ ደሞክራስያውን ኣሳታፍን ፖሊቲካዊ ባህሊ ክትክኦ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ዘለዎ ጕዳይ`ዩ። · ሰልፍና ብፍላይ ንተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ትካላዊ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ክረጋገጽ ኣበርቲዑ ክቃለስ ኣለዎ። · ሰልፍና ኣብ ዜናዊ ማዕከናትን ጽሑፋቱን ንህዝብና ኣብ ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ይኹን ኣብ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ምርግጋጽ ዘትኰረ ክኸውን ኣለዎ። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ፍርቂ ሕ/ሰብ ኤርትራ እየን። ኣብ ናጽነታዊ ቃልሲ፣ ከም ኩሉ ኤርትራዊ እጃመን ኣበርኪተን እየን። ብሓደ ወገን ንሃገራዊ ናጽነት፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ይኹን’ምበር ድሕሪ ናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ከም ካልኣይ ዜጋ ተሓሲበን ኣብ መንግስትን ኣብ ፖሊቲካዊ መስርሕን ተሓሪመን፤ ኮታ ካብቲ ኩሉ ጽፍሒ ሕ/ሰብና ተገሊለን ይርከባ። ኣብ ተቓውሞ ውድባት’ውን ፖሊቲካዊ ተሳትፎአን ጨሪሹ የልን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ምንፋግ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብቲ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ኣቋቝማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነቅል ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግብኣና። እዚ ኣቋቝማ’ዚ ካብ ኣባታዊዕብለላን ኣተሓሳስባን ዝተመርኮሰ ንደቀ አንስትዮ ማዕረን ናጻን ኣፍረይቲ ኣካላት ሕ/ሰብ ከይኮና ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ብዘይ ተሳትፎ ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት፣ ሰላምን፣ ፍትሒን፣ ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ምዕብልና ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ፍርቂ ሕ/ሰብ መሰል ጎሲኻ ዝረጋገጽ ደሞራስያዊ ለውጢ የሎን። ስለዚ ሰልፍና ንተሳትፎ ደቀ ኣንስትዮ ብኸመይ የረጋግጾ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ሰልፍና ይኹን ኣብ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ፖሊቲካዊ መሪሕነት ዝመጽኣሉ ብትካል ዝረጋገጽ መንገድታት ክረኽበሉ ይግባእ። · ፕሮግራማትናን ቅዋማትናን፣ ንፖሊቲካዊ ተሳትፎ ደቀ ኣንስትዮ ዘተባብዕ፣ ንቕሓተን፡ ኣብ መሰለን ኣብ ደሞክራሲ፣ ኣብ ናጽነት ፍትሒን ማዕርነትን ሓፍ ዘብላሉ ክኸውን ይግባእ። · መሰልን ግደን ሓላፍነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብመንገዲ ትካል ንምርግጋጹ፤ ስልፍና ብመትከል ክሰርሓሉ ኣለዎ። · ሰልፍን ነቲ ኣባታውን ዓብላልን እምነታትን ባህልን ልምድን ዝቕይር ኣስተምህሮታትን ሓድሽ ፖሊቲካዊ ባህልን ከነተኣታቱ ኣለዎ። ሱታፈ በርገሳውያን ሰብኣውያን ትካላት፡ በርገሳውያንን ሰብኣዊ ትካላት ከም ሳልሳይ ኣካል ኮይነን ንስልጣን መንግስቲ ብምቍጽጻር ንተሓታትነትን ግሉጽነት መንግስትን መንግስታዊ ትካላትን ዝቃለሳን፤ ብሓደ ወገን ንህዝቢ ዘሐይላን ዝምህራን ንመሰሉ ዝጣበቓን ድማ በቲ ሓደ ወገን ኢየን። በርገሳውያንን ሰብኣውያንን ትካላት ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣይዓኾኻን፡ ኣብ ሃገርና ሓድሽ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታቶን እሞ ሓደ ርጉእን ዘተኣማምን መንግስቲ ክህሉን ሕብረተ-ሰብና ድማ ክብልጽግን ክምዕብልን፣ ህላወ ድልዱል በርገሳውን ሰብኣውን ትካላት ካብቶም ዓበይቲ ሕቶ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት’ዮም። ስለዚ ሰልፍና እዘን ትካላት’ዚአን ብነጻ ድሌተን ክምስረታን ክምዕብላን ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምፍጣር ግደኡ ክጻወት ይግባእ። እቲ ተሳትፎ፣ እዘን ትካላት እዚአን ኣፍራይን ህዝባውን ክኸውን ምእንቲ ድማ ሰልፍና ዝምድንኡ ኣብ ማዕርነት’ምበር ኣብ ምቍጽጻርን ወይ ኣብ መሳርሒ ናይ ሰልፍና ክኾና ዝዓለመ ክኸውን የብሉን። ዕማማተንን ሓላፍነታተንን ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንረብሓ ህዝብን ንድሕነት ሃገርን ዘረጋግጽን ድማ ክኸውን ይግባእ። ስለዚ፡ · ሰብኣውያን ትካላት ንፖለቲካዊ ውድባት መተካእታ ከምዘይኮና ክፈልጣ ይግብአን። · ኣተሃላልውአን መንጸብረቕታ ውድባት ከይኮና ምጥንቓቕ የድሊ። 4. ደሞክራስያዊ ባህልን ኣሰራርሓን፡ ሰልፊ ሓደ ካብቶም ትካላት ደሞክራሲ እዩ። ዕላምኡ ድማ ደሞክራስያ ንምንጋስ ኮይኑ፡ ንረብሓታት ህዝቢ ብምውካል ኣብ ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ ግደ ዝጻወት ትካል እዩ። ሰልፍና ነዚ ንምዕዋትን ግደኡ ክጻወትን ሓላፍነቱ ከማልእን፤ ኣብቲ ሰልፊ ግሉጽነት ኣሰራርሓን ተሓታትነትን ምርግጋጽ ቀንዲ መሳርሒ ደሞክራስያ ክቖጽሮ ይግባእ። እዚ ባህሊ’ዚ ምስእነተኣታትትው ጥራይ ኢና ኣብ መጻኢት ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከነረጋግጽ ንኽእል። 4.1 ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ፡ ዕላማ ውሽጣዊ ደሞክራሲ ንግሉጽነትን ንተሓታትነትን ንሰፊሕ ኣሳታፍነትን ንመስርሕ ውሳኔታት ኵሉ-ሓቆፍ ምግባርን ዘኽእል እዩ። ውሽጣዊ ደሞክራሲ ክዕወት ግን ብመጀመርያ ሰልፍና ባዕሉ ደሞክራስያዊ ክኸውን ኣለዎ። ደሞክራስያዊ ባህልታትን ኣሰራርሓን ኣብ ውሽጥና እንተዘሃልዩ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ስልጣን ይኹን፤ ኣብ ህዝብን መንግስትን ምምራሕ ብሓፈሽኡ ደሞክራስያዊ ሕብረተ-ሰብ ክንሃንጽ ኣይክኣልን እዩ። እቲ ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ እንብሎም ገለ ኣብነታት፡ · ንኣባላቱ ደሞክራስያዊ ክብረቶምን መሰሎምን ዝሕሉን ዘየዋስን ምስ ዝኸውን · ብውሑዳን ዘይዕብለል ሰልፊ ምስንሃንጽ · ንኣባላቱ ኣብ ምህናጽን ምዕባይን፤ እቲ ሰልፊ ርእይቶኦም ብነጻ ክገልጹ ዘፍቅድ · ንውሳኔታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክውስኑ ዘፍቅድን፡ ኣባላት ሰልፊ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብኡ ክቕየዱ ዝገብርን · ኣባላት ሰልፊ ገንዘብ ኣዋጻእትን ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ጥራይ ተርጎምትን ከይኮኑ ምእንቲ ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓና፣ ንኣባብላት ኣብ ፖሊሲ ምቕራጽ ዘሳትፍ ተራ ኣባላት ኣብ ሰልፊ ዘረጋግጽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምዕባይን ምዕማቝን ደሞክራስያ ቦታ ዝህብን ዘተኵርን · ተራን ጽልዋን ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓና፣ ሓደ ካብቲ ንህዝቢ ዘለዓዕልን ዘሳትፍን ንደሞክራሲ ድማ ዘጎልብትን ባህሊ ምዃኑ እቲ እንምስርቶ ሰልፊ ክግንዘቦ ኣለዎ። 4.2 ስርርዕን ቅርጻን ሰልፊ፡ ሰልፍና ዝኽተሎም መደብ ዕዮታትን ዕላማን ኣብ ተግባር ክውዕሉን ደሞክራሲ ክዓብን ክዓሙቕን ሰልፋዊ ቅርጻን ስርርዕን ግሉጽን ኣሳታፍን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ፡ · ግደን ሓላፍነትን ናይ ስራሕ ዝምድናታትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ትካላትን ጨንፈራትን ሰልፊ ንጹር ምዃን · ሰልፋዊ ቅርጻ ንውሳኔታት ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ዘተሓባብርን ጥቡቕን ክኸውን · ቅርጻ ሰልፊ ካብቲ ዝተሓተ ስርርዕ ክሳብ ዝለዓለ (ጉባኤ) ብንጹር ብምቕማጥ፡ ውሳኔታትን ሓበሬታታትን መደብ ስራሓትን ብቀሊል ዝውሕዘሉን ኣብ ጊዚኡ ዝበጽሑሉን ኣገባብ ምዃን · መሪሕነት ሰልፊ ኣብ ውሳኔታቶምን ስራሓቶም ንኣባላቶም ተሓተቲ ምዃኖም ዘቐምጥ ስርርዕ ምዃን · ንመሪሕነት ዘይተደረተ ሓላፍነት ዘይህብ ግን ከኣ ኣብ ስራሕ ዝኾነይኹን ዕንቅፋት ዘይገብርን፤ ናይ ምክትታል ትካላት ምቛምን · ውሽጣዊ ርኽክባት ኣባላት ሰልፊን ስርርዑን ክልተ መንገዲ ኮይኑ ንጉዳያትን ስራሓትን ብንጡፍ ዘስርሕ ክኸውን ኣለዎ። ውሽጣዊ ርኽክባት ንኣባላት ሰልፊ፣ ሓደስቲ ሓሳባት ከቕርቡን፣ ሕቶታቶምን መልእኽትታቶምን ከመሓላፉን ዘኽእል ክኸውን። · ሰልፋዊ ቅርጽና መስርሕ ውሳኔታት ምግባር ብግሉጽን ብተሳትፎ ኣባላትን ኮይኑ ኩሉ ኣባል እቲ ኣገባብ ክፈልጦን ክርድኦን ይግባእ። · ውሽጣዊ ደሞክራሲ ኣገባብ ምርጫታት መሪሕነት ሰልፍን፣ ሕጹያት ሰልፍን፣ ውክልና መንእሰያትን፤ ደቀ ኣንስትዮን ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ። 4.3 ምንቕቓሕን ምምዕባል ዓቕምን፡ ምንቕቓሕን ምምዕባል ዓቕሚ ኣባላትን ካብቶም ቅድመ ኵነት ንምፍጣር ሓያልን ደሞክራስያውን ዝኾነ ሰልፊ እዮም። ሰልፍና ብቑዓት ዝኾኑ ኣባላት ከፍርን ኣብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ድማ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከተኣታቱ ምእንቲ፡ · ተረድኦ ኣባላት ኣብ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ሓፍ ምባል። · ሰልፋዊ ብዙሕነትን ፖሊቲካዊ ሰልፍን ከመይ ከምዝሰርሕ ትምህርቲ ምሃብ · ኣብ ዝተፈላለዩ ቅዋማትን ኣርእስታትን ንመንግስትን ንሃገርን ዝምልከት ሰሚናራት ምሃብ · ሓደ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ከመይ ኢሉ ከም ዝሰፍህን ከምዝምዕብልን ትምህርቲ ምሃብ · መሰል ደቀንስትዮ፣ መንእሰያት፣ በርገሳውያን ማሕበራት ብኸመይ መንገዲ ኣብቲ ሰልፊ ተሳታፍነቶም የረጋግጹ ትምህርቲ ምሃብ 4.4 ተሓታቲ ዝኾነ ሰልፊ ምምስራት፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ተሓታትነት ከም ኣገዳሲ ይቝጸር ኣይነበረን። ብዘይካ ኣብ ጉባኤታትን ኣኼባታትን ዝቐርብ ጸብጻባትን ጽሑፋትን እንተዘይ ኮይኑ ተሓታትነት ኣካል ናይቲ ውድባውን ፖሊቲካውን ቅርጻ ኮይኑ ይሰርሕ ኣይነበረን። ብዘያዳ እኳ’ድኣ ብረታዊ ተጋድሎና ምስጢራውን ኣብ ውሑዳትን ዝተሓጽረ ኣሰራርሓ ዝዓብለሎ ምንባሩ እዩ ዝፍለጥ። ትሓታትነት እምበኣር መራሕቲ ሰልፍን ትካላት ሰልፍን ኣብ ስራሓቶምን ኣብ ዝወሰድዎ ውሳኔታትን ንኣባላቶም ተሓታት ምዃን ማለት’ዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣባላት ሰልፊ ንመራሕቶምን ኣሰራርሓኦምን ክቆጻጸርዎም ዘኽእሎም መሳርሒ እዩ። ተሓታትነት ኣብ ንጹርነት ሰልፋዊ ቅርጻ ዝተሞርኰሰ ኮይኑ ኣባላት ሰልፊ ንመራሕቶምን ሰልፋዊ ስራሓትን ዝመዝንሉን ዝሳተፍሉን ደሞክራስያዊ መሳርሒ እዩ። · መሪሕነት ሰልፊ ብግሉጽን ብስሩዕን ኣገባብ ጸብጻባትን መግለጺታትን ከቕርቡን ንኣባላቶም ተሓታቲ ክዀኑን። · ኣባላት ሰልፊ ኣብ ጸብጻባትን ስርሓትን መሪሕነት ሰልፊ ርኢቶ ኽህቡን ክሳተፉን ክቆጻጸሩን መሰላት ምሃብ። · ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈትን ምምሕዳራዊ ትካላትን ሰልፊ ኣብ ስራሓተን ትሓታትነት ከረጋግጻ። · ሰልፊ ንተሓታትነት ዘረጋግጽ ፖሊቲካዊ ምምሕዳራዊ ሕጋዊ ቅጥዕታት ከውጽእ፡ ነዚ ቅጥዕታት’ዚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ዝከታተላ ናጻ ትካላት ክመዝዝ። ስለዚ ብሓፈሽኡ ተሓታትነት ንግሉጽነት ዘተባብዕ ኮይኑ፤ ብዝያዳ ግን ንደሞክራሲ ንፖሊቲካዊ ተሳትፎ፤ ንውክልና ዘሐይልን ዘረጋግጽን እዩ። 5. ምምዕባል ደሞክራሲን ጸገማቱን፡ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ትካል ክትሰርሖ ቀሊል ኣይኮነን። ምምዕባል ደሞክራሲ ክረጋገጽ ወይ ኣብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ጽልዋታት ክገብር ክጅምር፡ ሰልፍና ኣብዚ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ነዞም ዝስዕቡ ከስምረሎም ኣለዎ። · ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ኣተሓሳባን ከምዘለዎ · ድኹም ፖሊቲካውን በርጌሳውን ትካላት ምህላዉ · ኣብ መንጎ ናይ ዘበነ ነጻነትን ናይ ሕጂ ወለዶን ዓቢ ፍልልይ ከምዘሎ · ድኹም ናይ ሓፋሽ ፖሊቲካዊ ተስትፎ ምህላዉ · እዚ ሕጂ እነካይዶ ዘለና ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብቲ ንነጻነት ኢልና ዘካየድናዮ ቃልሲ ብባህሪኡ ዝተፈልየ ምዃኑ። 6. መደምደምታ፡ ሰልፍና ክዓብን ደሞክራስያዊ ሕ/ሰብ ክሃንጽን ነዚ ዘተኣታትተዎ ዘሎ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ወካልን ኣሳታፍን ክገብሮ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ኩሎም ማሕበራውያን ጉጅለታት ኤርትራ ብማዕረ ጾታ ደቂ ኣንስትዮ፣ ብፍላይ ሓድሽ ወለዶ፤ ከምኡ’ውን በርገሳውያን ማሕበራት ዝሳተፍዎ ሰልፊ ምፍጣር ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ህዝቢ ይኹን ወይ ናይ ትካላት ግደን ሓላፍነትን ኣብ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክማላእን ኣብ ምምዕባል ደሞክራሲ ጽልዋ ክህልዎ ምግባርን ማለት’ዩ። ብርግጽ እቲ ኣሉታዊ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ባህልን ኣረጊት ፖለቲካዊ ኣጀንዳን፣ ሓደ ዓቢ ጸገም ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ኣብ ምንኣሱ ተራ ይጻወት ኣሎ። ሰልፍና ነዚ ክቕይሮ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ፡ ሰልፍና መጀመርያ ውሽጣዊ ደሞክራሲ ከማዕብልን፤ ንባዕሉ ደሞክራስያዊ ክኸውንን ኣለዎ። እቲ ውሽጣዊ ለውጢ፣ ኣብቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቖጽዩ ኣረኣእያታትን ሓሳባትን ንምእላይ ዘትኮረ’ውን ክኸውን ኣለዎ። ዕላማ ሰልፍና፣ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ። ብመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቢልካ፣ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይደሞክራስያዊ መንግስቲ፣ ብቕዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ተኪእካ መሰረታዊ መሰልን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኸብረሉ ግዝኣተ ሕጊ ዝነግሰሉ፤ ኤኮኖምያውን ማሕበራውን ፍትሒ ዝረጋገጸሉ፤ ምዕብልናን ብልጽግናን ዝዕምብበሉ፤ መሰል ውሑዳት ዝሕለወሉ ምግባር ማለት’ዩ። እዚ ጥራይ እዩ እቲ ኣማራጺ፡ ስለዚ ንለዓል ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና። የቐንየለይ
|
|
[Party Membership Registration Form] Send mail to info@speedliberty.org with
questions or comments about this web site.
|