ሕቶታት፣
ናይ
መተባብI
ርእይቶታትን
ለበዋታትን
ካብ
ተሳተፍቲ፡
ሕቶ፡-
ተ.ሓ.ኤ
ሰውራዊ
ባይቶ
ካብ
ኵሉ
ሕብረተሰብኣዊ
ክፍልታት
ኤርትራ
ጠርኒፉ
ክጐዓዝ
ዝጸንሐ
ምዃኑ
ንፈልጥ፡
ስለምንታይ
ውድቡ
ኣፍሪሱ
ናብ
ሰልፊ
ክሰጋገር
መሪጹ፤
ከምዘለዎ
ክዓቢ
ዘይፍትን፡
ዝሐሸ
ውጽኢት
ከምጽእ’ዩ
ዝበሃል
እንተዀይኑ
ድማ፤
እንታይ
ውሕስነት
ኣለዎ፡
መልሲ፡-
ከምቲ
ኣብ
ሕቶ
ዝተጠቕሰ፤
ኣቋቝማ
ውድብ
ተ.ሓ.ኤ
ሰውራዊ
ባይቶ
ካብ
ኵሉ
ክፍልታት
ሕብረተሰብና
ዝጠርነፈ
ምዃኑ
ሓቂ’ኳ
ይኹን’ምበር፣
በይኑ
በቲ
ሒዝዎ
ዝጸንሐ
ኣገባብ
ቃልሲ
ክዓቢ
ከምዘይክእል
መዚኑ
ስለዝዓገበ
እዩ
ናብ
የዕውት’ዩ
ዝበሎ
ሰፊሕ
ዝሰረቱ
ሰልፊ
ምቛም
ከምዘድሊ
ዝረኣየ።
ናይ
ሰልፊ
ኮሚሽን
ካብ
ዘሰላሰሎ
መስርሕ
ከምዘረጋግጾ
ድማ፤
እቲ
ናብ
ሰልፊ
ምስግጋር
ውሳኔ
ቅኑዕ
ምዃኑን
ምዕብልናኡ’ውን
ጭቡጥ
ለውጢ
እናመዝገበ
ዝመጸ
ኣታባባዕ
መኣዝን
ሒዙ
ከምዘሎን
ተገሊጹ።
ኣባል
ኤትራዊ
ምንቅስቓስ
ንዲሞክራስን
ሰብኣዊ
መሰላትን
(EMDHR) ዝዀነ
መንእሰይ
ብወገኑ
ምስ
መንእሰያት
ካብ
ዝገበሮ
ምይይጥ
ነቒሉ
መብዛሕትኦም
ንእትገብርዎ
ዘለኹም
ምቛም
ሰልፊ
ከምዘይተኸታተልዎ
ተገንዚበ፤
ስለዚ
ብቐጻሊ
ምርካቦምን
ንኽሳተፉ
ምትብባዖምን
ከምዘድሊ
ሓቢሩ።
ኣባላት
ኮሚሽን
ብወገኖም
ለበውኡ
ቅቡል
ምዃኑን፤
ንሱ`ውን
ክተሓባበር
ከምዘለዎ
ተላብዮም።
ንኣድላዪ
ስነጽሑፋት
ምቛም
ኮሚሽን
ሰልፊ
ድማ
ኣብ
መርበብ
ኮሚሽን
ሰልፊ
www.SpeedLiberty.org
ኣትዮም
ክረኽቡ
ከምዝኽእሉ
ተሓቢሩ።
ሓደ
ካብ
ተሳተፍቲ፣
ኣብ
ውልቀ
መነባብሮኡ
ኣተኵሩ
ከምዝነበረን
ሕጂ
ግን
ተስፋ
ዝህብ
ሓበሬታ
ከምዝሰምዕን
ክተባባዕ
ዘለዎ
ዕማም
ምዃኑን፣
ብወገኑ
ክከታተል
ምዃኑ
ቃል
ኣትዩ።
ቀጺሉ
ኣብ
ውሽጢ
ኤርትራ
ዝነብር
ህዝብና
ንዝወርዶ
ዘሎ
ግፍዕን
ጭቆናን
ተቓውሞኡ
ከድምጽ
ስለዘይክእል፣
እቶም
ኣብ
መሰል
ሓሳብካ
ምግላጽ
ዘፍቅድ
ሃገራት
ዘሎና፣
ኣውያቱን
ስቅያቱን
ከነስምዓሉ
ናይ
ሕልና
ግዴታ
ክህልወና
ይግባእ።
እዚ
እቲ
ዝወሓደ
ኣብርክቶ
ኰይኑ
መላኺ
ስርዓት
ክሳብ
ካብ
ስልጣን
ተጓሒፉ
ብህዝባውን
ደሞክራስያውን
ስርዓት
ዝትካእ
ክንቃለስ
ግቡእና
እዩ
ኢሉ።
ኣብ
ኣብዝሓ
ሰልፍታት
ዝዋስኣላ
ዲሞክራስያዊት
ኤርትራ
ዕዙዝ
ተራ
ዝጻወት
ፖሊቲካዊ
ሰልፊ
ንምህናጽ
ናይ
ኵሉ
ኤርትራዊ
ተሳትፎን
ተሓባባርነትን
ከምዘድሊ
ብምምሕጻን
ኣኼባ
ተደምዲሙ።
ዘልኣለማዊ
ክብርን
ዝኽርን
ንስዉኣትና
ፍትሓዊ
ቓልሲ
ህዝቢ
ኤርትራ
ክዕወት’ዩ
ኮሚሽን
ሰልፊ
5/16/2008