|
|
|
|
ሓንጎል ዜጋታት ናይ ምልማስ ሓደገኛ ፖሊሲ፡ 31.05.2008 ኣብዚ እዋን እዚ፤ ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ብኹሉ መልክዓቱን መለክዒታቱን ክረአ ኸሎ፡ ብኹሉ መዳያቱ ኣብ ዝለዓለ ናይ ዕንወት ደረጅኡ በጺሑ ከምዘሎ፡ ይትረፍዶ ንዓና ንኤርትራውያን፤ ንባዕዳውያን'ውን እንተኾነ ጎሊሑ ይረኤ ኣሎ። ከመይሲ፤ በመሰረቱ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያ ተነፊጉ፡ ፍትሒ ተቘጽያ፡ ኣብ ክንድኡ ኸኣ ውልቀ መላኽነት ሰፊኑ። ከም ሳዕበኑ ድማ፤ ሃገርና ኤርትራ ብዓለም ደረጃ ኾነ ብዞባ ደረጃ፤ ብዙሕ ናይ ተነጽሎን ተቃውሞን ብድሆታት ኣጋጢሙዋን የጋጥማን ኣሎ። ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይዚ ፍጻሜ እዚ'ውን ቁጠባ ሃገርና ካብቲ ኣብ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ሓርነታዊ ቃልሲ ንላዕሊ፤ ባይታ ዘቢጡ፡፡ ህዝቢ ኣደዳ ጥሜትን፡ ሕማምን፡ ድኽነትን ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። ውልቀ መላኽነት ናብ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ናብ ዜጋታታ ዘውረዶ ጉድኣት እውን ካብ ናይቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ እንተዘይ ዛይዱ፤ ተፈልዩ ዝረኤ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነጀው፣ ብዘይ ፍትሒ ህይወቶም ዝሰኣኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝማህመኑ፡ ከም ሳዕቤን ዘይንቡርን ኢሰብኣዊን መቅጻዕቲ ዝሰንከሉን፡ ኣእምሮኦም ዝሰሓቱን፡ ኣብ ዘይ ሕጋዊ ኲናት ዝተጠብሱን፡ ከም ሳዕበኑ ዘኽቲሞምን መቢሎምን ዝተረፉን፡ ህይወቶም ንኸድሕኑ ሃገር ራሕሪሖም ዝተበተኑን፡ ኣብ ሰሃራን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕርን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ካልኦት ሃገራትን ተዋሒጦም ተሪፎም ናይ ሞት ንቡር እኳ ከይረኸቡ ዝተረፉን ኤርትራውያን፡ ቁጽሮም ማእለያ የብሉን። ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ጥንቲ ዘመን፤ ኣብ ግብጺ ብፈርዖናት ግብጺ ኣጋጢምዎ ዝነበረ፡ መግለጺ ኣልቦ ግፍዒ ወሪድዎ ይርከብ። ምንባርኩም ንስለ ምንባረይ ድኣምበር ንስለ ምንባርኩም ክኸውን የብሉን ኣብ ትሕቲ ዝብል መላኺ ስርዓት፤ ተስፋ ቘሪጹ ብጓሂ ዝኣክል ደም እንዳ ነብዐን፤ ብሓዊ እንዳ ተቀልወን ናይ ጻዕረ ሞት ህይወት ከሕልፍ ተገዲዱ ኣሎ። ብምኽንያት ሓደገኛ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ፤ ሎሚ ኤርትራውያን ዕጫና ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ኮይኑ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ሓደ ከይፈቶኻ ኩልንትናኻን እንታይነትካን ኣጥፊእካ፡ መሰልን ፍትሕን ኣልቦ ግዙእ ናይቲ ምልካዊ ሰርዓት ኰንካ ምንባር ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣይግዛእን እንድሕሪ ኢልካ፡ ነታ እትፈትዋን እተፍቅራን፡ መበቈል ህይወትካን፡ ምንጭን ዋሕስን ሰብኣዊ መሰላትካን ክብረታትካን፡ ትርጉምን መቀረትን ናይ ምንባርካን ዝኾነት ሃገርካ ራሕሪሕካ ንስደት ምምራሕ እዩ። ስለምንታይ ግን ዕጫ ኤርትራውያንን ኤርትራን ከምዚ ክኸውን ክኢሉ፧ እቲ ዝተቃነየ ጭረሖን ፈኸራን መንግስቲ ኤርትራኸ “ንኤርትራ ዝዓበየ ሃብቲ-ጸግኣን፡ ዋሕስ ክብራን ልዑላውነታን ህዝባ እዩ” ዶ ኣይኮነን፧ ህዝቢ ኣርዒድካ ተሸቝሪሩ ከም ዝነብርን፤ ካብ ሃገሩ ተበታቲኑ ከምዝጠፍእን ገርካኸ፡ ልዑላውነትን ምዕባለን ሃገር ብኸመይ ክብጻሕ እዩ ተሓሲቡ፧ ወላስ ንምድንጋር፧ ነገሩ ርዱእ እዩ። ንውልቀ መላኺ መንግስቲ ኤርትራ፡ እታ ሓንትን እንኮን እተገድሶ ነገር፤ ልዑላውነትን ድሕነትን ስልጣኑ ምዃን ጥራሕ እዩ። እወ ካብ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝረሓቀን ብዲክታተርያውነት ዝተባዕጠጠን ስርዓት፤ ኣብ ስልጣኑ ክቅጽል እንተድኣ ኾይኑ፡ እታ ሓንቲ ምርጫኡ ዝተፈላለየ መላታት ተጠቂምካ፤ ሓንጎል ዜጋታት ምልማስ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ከምዚ መንግስት ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ፤ ዜጋታት ኣብ ሃገሮምን ገዝኦምን፣ ቀሲኖምን ጸጊቦምን ሓዲሮም፡ ብዛዕባ ሲቪላውን ፖሎቲካውን መሰላቶም ከይሓስቡን፤ ደሞክራስያዊ ሃዋህው ከይጠልቡን፡ ልዕሊ ዓቅሞም ብዝኾኑ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን፡ ፖሊቲካውን ሽግራት ተወጢሮም፤ ንመዋዕሎም ኣብ ናይ መንባር ሕቶ ጥራሕ ተቀዪዶም፡ እንዳ ተሳቀዩ ከርፋሕ ናብራ ከምዘሕልፉ ምግባር እዩ። እዚ እዩ ኸኣ እቲ ሓደገኛ ሓንጎል ናይ ምልማስ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ። እወ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ካብ ክቱር ምልካዊ ምረትን፡ ናይ መራሕቱ ጥልመትን ዝተበገሰ፤ ካብ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ተቅዋምን፡ ፖሎቲካዊ መራሕን እምነት ናይ ምጕዳል ባህርያት የርኢ ኣሎ። እዚ ዝትምብሆ ነገር እንተ ሃልዩ ኸኣ፤ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ሃገራውያንን ሓፍ ዘይብል ግዙፍ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት ኣስዒቡ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክንይኡ እውን፣ ኣብ ልዕሊ ሓድነትን ሃገራውነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ጉድኣት እውን እዝይ ኢልካ ክግለጽ ዘይከኣል ጥራሕ ዘይኮነስ፤ በቀሊሉ ክዕረ ይከኣል እዩ ኢልካ ንኽትእምት እውን ዘሰክፍ ከምዝኾነ እዩ። ኤርትራ ውልቀ መለኽቲ ብሒቶም ዝንየቱላ፤ ህዝባ ግን ብጓሂ ዝኣክል እንዳ ኣእወየን እንዳ ቛዘመን ዝነብረላ ዘይኮነትስ፡ ዲምክራስን ፍትሕን ዝሰፈና፡ ኩሉ ዜጋ ኸኣ ብማዕረ ዝረብሓላን ዝንየተላን ክትኸውን ከምዘለዋ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ባህግን ጠለብን እዩ። መን ድኣ የምጽኣዮ ነዚ ጠለብ'ዚ፧ መንከ ሓላፍነት ይሰከም ነዚ ጉዳይ እዚ፧ እቲ መልሲ ንማንም ርዱእ እዩ ይመስለኒ። ሃገር ንኹሉ ወዲ ሃገር ብማዕረ እትብጽሖ ህያብ ኣምላኽን፡ ውርሻ ቀዳሞት ወለድን፡ ሕድሪ ጀጋኑ ስዉኣት ኣሕዋትን ስለዝኾነት፡ ኩልና ኤርትራውያን ንሃገርን ንኩነታት ሃገርን ብዝምልከት፤ ሰብ ማዕረ መሰላትን ግቡኣትን ኢና። ስለዚ ከምቲ ኩልና ብማዕረ መሰልና ዝተነፍገ እሞ ከምሳዕበኑ ኣደዳ ሞትን፡ ስንክልናን፡ ማእሰርትን፡ ስደትን፡ ጥሜትን፡ ሕማምን፡ ድንቑርናን ዝኾንና፡ ብማዕረ ሓደ ቃል ኰና መሰልና ክንጠልብን ንስለ መሰልና ጥርኑፍን ውዱብን ምንቅስቃሳት ክነካይድን ከምዘሎና፤ ዘካትዕ ነጥቢ ኣይኮነን። ናብ ገለ ውልቀሰባትን፡ ፖሎቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ዝግደፍ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። እንታይድኣ ኩነታት ሃገር ንኹሉ ሃገራዊ ዜጋ ሃገራዊ እጃሙ ከበርክት ይጠልብ ስለዘሎ፡ ኩልና ብሓባር ሓደ ኣካል ኰና ንተስእ።
ዓወት ንሓፋሽ!!! መድሃኔ ሃብተዝጊ
|
|
[Party Membership Registration Form] Send mail to info@speedliberty.org with
questions or comments about this web site.
|