መብርሂ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ንሰራዊት ሓርነት ተዋሂቡ፤

ኣሃዱታት ሰራዊት ሓርነት ወከልቱ ንጕባኤ ሰልፊ መሪጹ

 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

18.06.2008 

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዕለት 8 ሰነ 2008 ኣብ መደበር ስውእ ሓሰን ጀውሃር ንኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብጻይ መሓመድ ዓሊ፡ ብዛዕባ ውጽኢት ሓድነታዊ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፤ ብዛዕባ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ንምምስራት ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ዘሎ ንጥፈታትን ጕባኤ ሰልፊ ንምክያድ ዝግበር ዘሎ ምስንድኣትን፤ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ሃገርናን ዞባናን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝተጋህደ ሓደስቲ ምዕብልናታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። 

ብድሕር’ዚ መብርሂ ምሃብ፡ ካብ ኣኼበኛታት ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱን፤ ርእይቶታቶምን ለበዋታቶምን ሰሚዑ። ብተወሳኺ ብዕለት 9 ሰነ 2008 ብጻይ መሓመድ ዓሊ ናይ መራሕቲ ኣኼባ ኣኼባ ኣካይዱ ተመሳሳሊ መብርሂ ከምዝሃበ ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። 

ብጻይ መሓመድ ኣሰሎ፡ ወኪል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሽረን ኣባል ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ምምስራት ሰልፍን፡ ናብ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2008 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ጕባኤ ናይ ሰልፊ ዝሳተፉ ወከልቲ ሰራዊት ዝምልከት ምርጫታት ከምዘካየደ እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣብሪሁ።

 

 

 

 

[Party Membership Registration Form]

Send mail to info@speedliberty.org with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 Joint Party Formation Commission
Last modified: 07/14/08